ኬንያዊ ጋዜጠኛ፡ ሽልማት ኮምላ ዱሞር 2018 ተዓዊቱ

ኬንያዊ ጋዜጠኛን ኣቕራቢ ናይ ተሌቬዥን መደብን ዋይሂጋ ምዋራ፡ ቢቢሲ ኣብ ዘዳልዎ ዓመታዊ ሽልማት ኮምላ ዱሞር ተዓዊቱ።

እዚ ጋዜጠኛ ኣብ ተሌቬዥን 'ሲቲዝን ቲቪ' ብጣዕሚ ተፈታዊ ኣብ ዝኾነ መደብ 'ኒውስ ቡሌቲን' ኣቕራቢ እዩ።

ካብ ሽልማት ኮሙላ ዱሞር ብተወሳኺ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ቢቢሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ፃንሒት ዝገብር እንትኸውን፤ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ ድማ ኣብ ቢቢሲ ብዛዕባ ዝነበሮ ፃንሒትን ዝረኸቦ ልምድን ንካልኦት ከካፍል እዩ።

ቢቢሲ ነዚ ሽልማት በብዓመቱ ዘዳልዎ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝነበረ ኮምላ ዱሞር ከም ኣቆፅፅራ አውሮጳውያን 2014 ብሃንደበት ድሕሪ ምሟቱ ንዕኡ ንምዝካር እዩ።

እዚ ዓመታዊ ሽልማት ካብ ዝጅመር፡ ዋይሂጋ ምዋራ ንራብዓይ ግዘ ዝተሸለመ ጋዜጠኛ እንትኸውን፡ ፈላማይ ሽልማት ኮሙላ ዱሞር፡ ናንሲ ካቹንጊራ፣ ንተኸታታሊ ክልተ ዓመታት ድማ ናይጄሪያውያን ዲዲ ኣኪንዩሉሬን ኣሚና ዩጉዳን ተዓወትቲ ኮይኖም እዮም።

ብኬንያውያን ተፈታዊ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዋይሂጋ፡ ካብ ፀብፃባት ፖለቲካ ክሳብ ስፖርት ዝትንትንን ምድላዋት የቕርብ።

''ኮምላ ዱሞር ብዙሕ ነገር ዘምሃረንን ዝተሳኽዐሉን ጋዜጠኛ ነይሩ፤ ንሱ ኣብ ህይወቱ ካብ ሞንጎ ዘዐወቶም 20 ሚእታዊት ምስኻዕ እንተዝኽእል፡ ንነብሰይ ኣብ ህይወተይን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ብዙሕ ከምዝሰራሕኩ ምቖፀርክዎ'' ኢሉ ዋይሂጋ።