እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽልማት ኮምላ ዱሞር 2018፡ ኮኾብ ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ ንምርካብ የናዲ
ቢቢሲ ሕጂ ነቲ ንራብዓይ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ሽልማት ቢቢሲ ዎርልድ ኒውዝ ኮምላ ዱሞር 2018 ዝበቕዖ ናይ መጻኢ ኮኾብ ጋዜጠኝነት ኣፍሪቃ ተናዲ ኣላ።
ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ተወዳደርቲ ናይ'ዚ ተውህቦ ንዘለዎም ሰባት ንምትብባዕ ዝወሃብ ሽልማት ንክኾኑ ክምዝገቡ ይዕደሙ።
ተዓዋቲ ናይ'ቲ ሽልማት፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ንሰለስት ወርሒ ብምጽናሕ፡ ተረባሒ ንኽእለቱን ተሞክሮኡን ዘደንፍዕ ስልጠና ክኸዉን'ዩ።
ምዝገባ ዝዕጸወሉ ዕለት 23 መጋቢት 2018፡ ሰዓት 23፡59 ብኣቆጻጽራ ግሪንዊች ክኸውን'ዩ።
ኮምላ ዱሞር፡ ኣብ ቢቢሲ ዎርልድ ኒውዝ ሓደ ዉሩይ ዝነበረ ጋናዊ ጋዜጠኛ'ዩ። ብ2014 ኣብ መበል 41 ዕድሚኡ ብሃንደበት ድሕሪ ሙማቱ ድማ፡ እዚ ብሽሙ ዝጽዋዕ ሽልማት ንኽብሩ ተመስሪቱ።
ናይዚ ዓመት ሽልማት ካብ ኣክራ፡ ርእሲ ከተማ ጋና'ዩ ክጅምር።
- ነዚ ሽልማት ዘድልዩ ክማልኡ ዘለዎም ቅጥዕታት ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ
እቲ ሽልማት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነብርን ዝሰርሕን፡ ብሉጽ ናይ ኣቀራርባ ብቕዓት ዘለዎ፡ ንዛንታት ኣፍሪቃ ብፍሉይ ክእለት ከቕርብ ዝኽእልን፡ ናይ መጻኢ ኮኾብ ክኸውን ባህጊን ዓቕሚን ዘለዎ ሰብ ክወሃብ'ዩ።
ተዓዋቲ፡ ብዘይካ'ቲ ኣብ ለንደን ምስ ቢቢሲ ዘሕልፎ ግዜ፡ ናብ ኣፍሪቃ ብምጋሽ ንዘቕርቦ መደብ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካልእን ከምዝዝርጋሕ ክግበር'ዩ።
ቅዲሚ ሐጂ ተዓወትቲ ናይዚ ሽልማት ዝኾና ናንሲ ካቹንጊራ ካብ ዩጋንዳ፡ ዲዲ ኣኪንየሉር ካብ ናይጀርያ ከምኡ'ውን ኣሚና ዩጉዳ ካብ ናይጀርያ ኢየን ኔይረን።
ኣሚና፡ ካብ ዩጋንዳ ዘቕረበቶ ጸብጻባ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀላይ ቪክቶርያ ዘንጸላልው ዘሎ ሓደጋ ዝምልከት'ዩ ኔይሩ። ስነ-ፍልጠታውያን፡ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዘይጨዋም ማይ ናብ ምጽንቃቕ ክኸይድ ከምዝኽእል ኢዮም ዘጠንቅቑ።
"ተዓዋቲት ሽልማት ቢቢሲ ዎርልድ ኒውዝ ኮምላ ዱሞር 2017 ምዃነይ ንሞያይ ኣደንፊዑዎ'ዩ። ብኣህጉራዊ ደረጃ ከምዚ ዓይነት ተፈላጥነት ክረክብ ምኽኣለይ ነቲ ዝደለኹዎ ሸቶ ክበጽሖ ከምዝኸኣልኩ'ዩ ኣረዲኡኒ፡" ትብል ኣሚና።
"ተመዲቤ ኣብ ዝሰራሕክሉ እዋን፡ ኣገዳስነት ሓቀኛ፡ ሚዛናዊን ርትዓዊን ዝኾነ ሓበሬታ ምሃብን፡ ከመይ ጌርካ ንዓለም ብስሕብ ኣገባብ ብዛዕባ ኣፍሪቃ መደባት ተቕርብን ክማሃር ኪኢሌ።"
"በቲ ኮምላ፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ንዓለም ከፍልጥ ዘበርከቶ ስራሕ ሕቡናት ኢና። ነቲ ንሱ ዘውረሰና ኣብ ምቕጻሉ እጃመይ ከበርክት እንከለኹ ድማ ክብሪ እስማዓኒ።"
ኣሚና ኣብቲ ምኽፋት ሸልማት 2018 ዝእወጀሉ ፈላሚ መደብ፡ ኣብ ጎድኒ ዳይረክተር ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪሰ ግሩፕ ጄይሚ ኣንገስ ኮይና ክትሳተፍ'ያ።
ኣቐድም ኣቢሉ ጄይሚ ኣንገስ፡ "ኣብ መቦቆል ዓዲ ኮምላ ዝኾነት ጋና መጺእና ምስ ስድራቤቱን ፈተውቱን ኴንና፡ ነቲ ንሱ ዘበርከቶ ክንዝክርን ናይ መጻኢ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ ጋዘጤኛ ከነናዲን ክብሪ እስማዓና፡" ኢሉ።
"እተን ቀዳሞት ሰለስተ ተዓወትቲ - ናንሲ፡ ዲዲን ኣሚናን - ብቑዕ ክእለት፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዓሚቕ ኣፍልጦን፡ ተሳትፎ ተኸታተልቲ ብኸመይ ከምዝዓቢ ኣምር ከምዘለወን ዘመስከራ ኢየን።"
"ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎ ብሉጽ ጋዘጤኛ ካብዚ ኣህጉር ረኺብና፡ ተዓዋቲ ሽልማት ቢቢሲ ዎርልድ ኒውዝ ኮምላ ዱሞር ክንሰሚይ ሃንቀዉ ንብል።"
- ነዚ ዕማም ንምምላእ ዘድሊ ቅጥዕታት ንምፍላጥን ንምዝገባን ብዝምልከት፡ ኣብዚ ጠዉቑ
- #BBCKomlaAward ዝብል ሃሽታግ ብምጥቃም ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንካልኦት ሓብሩ