እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ኣብ ፍርሒ ከምዝነብሩ ሓቢሮም
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ስደተኛታት፡ ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ካብ ጎደናታት ካርቱም ብኣልማማ ክግፈፉን ክእሰሩን ቀንዮም።
ገለ ካብቶም ዝተገፉ ስደተኛታት ድማ ከባቢ 50 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ክኸፍሉ ከምዝተገደዱ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጾም።
ምንጭታትና ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ግፋ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ ተባሂሉ ከምዝተገብረ እኳ እንተሓበሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ግን ብዛዕባ እቲ ግፋ ዝሃቦ ምንም ሓበሬታ የለን።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቶም ብፖሊስ ተታሒዞም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝኽፈል ከፊሎም ከምዝወጽኡ ይሕብሩ።
እንተኾነ፡ እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ፍርሒ፡ ንግዳዊ ትካላቶም ክኸፍትዎ ከምዘይክእሉን ዝኾነ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ከምዘየሎን ሓቢሮም።
እቲ ዝወሃቦም ዘሎ ታሴራ 'ብጣቓ' ከኣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዝኽልክሎም ኣመልኪቶም።
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከምዘሓበርኦ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፍሉይ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ንግድን ሸቐጥን ከይዋፈሩ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ዘርጊሑ ክብላ ገሊጸን።
ኣብ ሱዳን ልዕሊ 30 ዓመት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ፡ እዚ ሓዲሽ መምርሒ፡ ንሱዳናውያን ዜጋታት ናይ ንግዲ ዕድላት ንምፍጣር ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሽፈራው ጃርሶ ብወገኑ፡ እዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘጋጠመ ማእሰርትን ግፋን ንምፍታሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከምዝዘተየ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝግበር ዝኾነ ማእሰርቲ ከምዘየለን ሰባት ናብ ንቡር ስርሖም ከምዝተመልሱ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ብቤት ፍርዲ ምሕረት ተገይሩሎም ከምዝፍትሑ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ግፋ ዘካየዱ ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ ከምዝተገብረ እቲ ኣምባሰደር ሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ዝነብር ኢትዮጵያዊ ኣቶ ይሕደጎ ግና፡ ወላ እኳ እቲ ግፋ እንተዘየለ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ንግዲ ተዓጽዮም ከምዘለዉን መፍትሒ ከምዘይተገበረን ይዛረብ።
እቲ ምዕጻው ንግድታት ግን ካብ ፍርሒ ዝነቐለ እምበር፡ ብመንግስቲ ሱዳን ከምዘይተዓሸገ ገሊጹ።
ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ ገና ከምዘተወደኣን፡ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ንዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንምቁጽጻር ተባሂሉ ከምዝተጀመረን ሓቢራ። በዚ ኩነታት ኣመሳሚሶም ነቲ ግፋ መኣከቢ ገንዘብ ይጥቀሙሉ ከምዘለው እውን ኣረዲኣ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ግፋን ዓፈናን፡ ሕጊ መሰላት ስደተኛታት ከምዝጠሓሰን እቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ትካል ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ዝኸውን ዘሎ ምንም ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ብኣካላት መንግስቲ ከምዘይተሓበሩን ኤልሳ ግን ምስ ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ተሓባቢራ ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ።
ከምዚ ዓይነት ግፋን ጎነጽን እንተቐጺሉ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላላየ ኤምባሲታት ሱዳን፡ ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድን ንማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ከምተቃልሕን ኣረዲኣ።
ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጥራይ፡ ኣስታት 113 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ካብ'ዚኦም ድማ ልዕሊ 83 ሽሕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዝተረፉ 30 ሽሕ ድማ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሰፊሮም ይነብሩ።
ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እውን ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ይፍለጥ።