እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ብሩንዲ፡ ኣብያተ-መስተ ብእዋኑ ንኽዕፀዋ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ
ብሩንዲ ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት ዝርከቡ ኣብያተ-መስተ እታ ሃጋር ብእዋኑ ንክዕፀዉ ትእዛዝ ተመሓላለፉ።
እተን ኣብያተ-መስተ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እታ ሃገር፡ ድሕሪ 9 ሰዓት ናይ ምሸት ንክዕፀዋ ተወሲኑ ዘሎ። እቶም ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ድማ በዚ ዝተወስደ ውሳኔ ተቆጢኦም ከምዘለው ተገሊጹ።
ዋና ከተማ ቡጁንቡራ፣ ጊቴጋን ሰሜናዉ ሙያንጋን ድማ፡ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ ዝትግበረለን ከተማታት እየን።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ምዕጻውን ምኽፋትን ኣብያተ-መስተ ዝኾነ ዓይነት ገደብ ኣይነበረን።
ከንቲባ ከተማ ቡጁንቡራ፡ እዚ ውሳነ ሰባት ብዓቐን ንክሰትዩ ዝዓለመ እዩ ዋላ'ኳ እንተበለ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ቡሩንዳውያን ግና፡ እዚ ውሳነ መንግስቲ ኣቖጢዕዎም ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ስጉምቲ ምስ ፀጥታን ድሕንነትን ዝተተሓሓዘ እምበር ምስ እንሰትዮ ዓቐን ርክብ የብሉን ይብሉ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ ከተማ ቡጁንቡራ ኣብ ሓደ እንዳ መስተ ብዝተተኮሰ ጥይት፡ ህይወት ሰብ ሓሊፉ ነይሩ።
ኣብያተ-መስተ፡ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ 9፡00፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ድማ ካብ 1፡00 ክሳብ 9፡00 ናይ ምሸት ጥራሕ ንክሰርሓ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ሓደ ነባሪ ጊቴጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብያተ መስተ፡ ብእዋኑ ንኽዕጸዋ ዝብል ምስማዕ፡ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።
ሓንቲ 28 ዓመት ጓል-ኣንስተይቲ፡ "ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ትእዛዝ ብምጥሓሶም ጥራሕ፡ ክእሰሩ እዮም ማለት እዩ" ክትብል ስግኣታ ገሊፃ።
ሓደ ኣብ ዋና ከተማ ቡጁምቡራ ዝነብር ብወገኑ፡ ወነንትን ሰራሕተኛታትን እንዳ መስተ፡ ኣብያተ-መስተ ንኽዕፀዋ ዝተወሰነሉ ሰዓት፡ ዓማዊል ናብ እንዳ መስተ ዝመፅእሉ ሰዓት ብምዃኑ፡ ከምዝሕዘኖ ተዛሪቡ።
"ብዙሓት ሰባት ምሉእ መዓልቲ ብስራሕ ዝደኸመ እእምሮኦም ንምሕዳስ፡ ናብ እንዳመስተ ዝመፅእሉ ሰዓት እዩ" ብምባል፡ ብዙሓት ሰባት ናብ እንዳ መስተ ዝመፅእሉ ፍሉይ ምኽንያት ከምዘለዎም ገሊፁ።
"ብትእዛዝ መራሕትና ንኣምን ኢና፤ እዚ ውሳነ ግና ኣየሐጉሰናን፤ ዝደለናዮ ነገር ኣብ ዝደለናዮ ሰዓት ንምውሳድ ምኽልካል ኣየሐጉስን" ኢሉ።
ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ውልቀ-ሰብ ግና፡ እዚ ውሳነ መንግስቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንዘሎ ስግኣት ድሕንነት ከምዘመሓይሾ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።