ኡጋንዳ፡ ኣብ ፕላስቲክ ተዓሽጉ ዝሽየጥ ኣልኮላዊ መሰተ ከይሽየጥ ኣጊዳ

ሰብ መዚ ኡጋንዳ፡ ጠንቂ ጥዕናዊ ጸገማት ይኸውን ኣሎ ንዝብልዎ ኣብ ፕላስቲክ ተዓሽጉ ዝሽየጥ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ዕዳጋ ኣጊዶም።

እዚ 45 ሚእታዊት መጠን ኣልኮል ዘለዎ መስተ ሕሱር ኮይኑ ኣብ ጥዕና ዜጋታት ጸገማት የምጽእ ከም ዘሎ'ዮም ሰብ መዚ ኡጓንዳ ዝማጎቱ።

እዚ ኣብ ፕላስቲክ ተዓሽጉ ዝሽየጥ ኣልኮላዊ መሰተ ዋግኡ ኣዝዩ ሕሱር ኮይኑ፡ በቶም ትሑት እቶት ዘለዎም ዜጋታት ተጠላቢ መስተ እዩ።

ኡጋንዳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝለዓለ መጠን ኣልኮል ዘህልኹ ይስርዑ።

ኣብታ ሃገር ኣልኮላዊ መስተ ዘፍርያ ትካላት፡ ፍርያተን ካብ 200 ሚሊ ሊትር ኣብ ዘይንእስ ጥርሙስ ዓሽገን ናብ ዓማዊል ከቕርባ እየን ዝሕተታ ዘለዋ።

ሚኒስተር ንግዲ ኡጋንዳ፡ ኣሜልያ ክያምባደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ኣብ ላስቲክ ተዓሽጉ ዝሽየጥ ኣልኮላዊ መስተ ዋላ ተምሃሮ ክዕደግዎ ከም ዝኽእሉ እያ ትሕብር።

ኣስዒባ "እዚ መስተ ኣዝዩ ሕሱር እዩ፡ ተምሃሮ ኣብ ቦርስኦም፡ ኣብ ጅቦኦም ገይረሞ ክኸዱ ኢኻ ትርኢ፡ መጠን ሃልኩ እንተሪኢና'ውን ኣዝዩ ልዑል እዩ" ትብል።

እዚ ምእጋድ ናይዚ ኣብ ፕላስቲክ ተዓሺጉ ዝሽየጥ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ዘፍርያ ትካላት ንክገዝኡ ከየተባብዕ ስግኣት ከም ዘሎ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ዲር ጀያን ሓቢሩ።

ኡጋንዳ ካብ ኣፍሪቃ ብእተህልኾ መጠን ኣልኮል ኣብ ሻውዓይ ደረጃ ከም እትስራዕ ናይ 2018 ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ 21 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኡጋንዳ ኣልኮላዊ መስት ከም ዝሰቲ ይሕበር።

መንግሰቲ እታ ሃገር ኣልኮላዊ መስተ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ይነድፍ ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።

መጠን ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ሃገራት ኣፍሪቃ

ሲሸልስ : ሓደ ሰብ 13.8 ሊትሮ ጽሩይ ኣልኮል ኣብ ዓመት የህልኽ

ናይጀርያ : ሓደ ሰብ 13.4 ሊትሮ ጽሩይ ኣልኮል ኣብ ዓመት

ጋቦን: ሓደ ሰብ 11.5 ሊትሮ ጽሩይ ኣልኮል

ኢኳቶርያል ጊኒ: ሓደ ሰብ 11.3 ሊትሮ

ኢስኢዋቲኒ( ስዋዚላንድ): ሓደ ሰብ 9.9 ሊትሮ

ናሚብያ : ሓደ ሰብ 9.8 ሊትሮ

ኡጓንዳ: ሓደ ሰብ 9.5 ሊትሮ

ታንዛንያ: ሓደ ሰብ 9.4 ሊትሮ

ደቡብ ኣፍሪቃ: ሓደ ሰብ 9.3 ሊትሮ

ኬንያ: ሓደ ሰብ 3.4 ሊትሮ

ሞሪታንያ፡ ሶማልያ፡ ሊብያ: ሓደ ሰብ 0 ሊትሮ ጽሩይ ኣልኮል ኣብ ዓመት የህልኽ

ምንጪ: ውድብ ጥዕና ዓለም