ኣብ ቀላይ ኣልበርት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 7 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ናይ ጃልባ ምጥሓል ሓደጋ፡ ሸውዓተ ሰባት ምምዋቶም ክረጋገጽ እንከሎ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ሃለዋቶም ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እታ ጃልባ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ተጻወቲ ኩዕሶ እግርን ደገፍትን ሒዛ ካብቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ወረዳ ሆይማ ናብ ሩንጋ እናተጓዕዘት እንከላ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቕማ ምጽዓናን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ከም ዝኾነ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተዛሪቦም።

ኣብ 2016 ብተመሳሳሊ ሓደጋ ኣስታት 30 ተጻወትን ደገፍቶምን ኣብ ቀላይ ኣልበርት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

እቶም ተጓዓዝቲ፡ ንሕውነታዊ ግጥማት ክልተ ናይቲ ከባቢ ጋንታት ንምስታፍ'ዮም ናብ ሉንጋ ዝጓዓዙ ነይሮም።

ኣፈኛ ፓሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት፡ ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ቦታ ሓደጋ ቀልጢፎም ብምኻድ 32 ሰባት ከድሕኑ ኪኢሎም።

ብድሕሪኡ ፓሊስን ማሪን ኣሃዱ ሰራዊት እታ ሃገርን ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ፡ ጠለቕቲ ኣብ ዘካየድዎ ድልያ ሬሳ ናይ 7 ሰባት ከም ዘውጽኡ፡ ወኪል ቢቢሲ ዲር ጂን ካብ ካምፓላ ሓቢራ።

ኣብ 2015'ውን ክልተ ናብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝምለሱ ዝነበሩ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ቀላይ ኣልበርት ብምጥሓለን፡ ብውሕዱ 109 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ'ዩ።

ጠንቂ ናይዚ ብቐጻሊ ዘጋጥም ሓደጋታት፡ ልዕሊ ዝግባእ ምጽዓን ኩታት ኣየር ምዃኑን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ርእሲ'ውን፡ ወነንቲ ጃላቡ ዋላኳ ናይ ሂወት መድሕን ዝኾነ ጃኬት (ላይፍ ጃኬት) ዝሕዙ እንተኾኑ፡ ዝኣረገን ዘይሰርሕን ብምዃኑ ሂወት ተጓዓዝቲ ንሓደጋ ክቃላዕ ይረአ።