እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆርዳን ኪንየራ፡ መሬት ወላዲኡ ከምልስ ሞያ ሕጊ ዝተምሃረ ኡጋንዳዊ
ኡጋንዳዊ ጆርዳን ኪንየራ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እናሀለወ እዩ ወላዲኡ ኣብ ናይ ሕጊ መጎት ተሳዒሩ፡ መሬቱ ዝሰኣነ።
ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ትምህርትን ስልጠና ሕግን፡ ጠበቓ ምስ ኮነ ግና፡ ነቲ ዝተወሰደ መሬት ኣቡኡ፡ ድሕሪ 23 ዓመታት ከምልሶ ክኢሉ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ ቤት ፍርዲ እቲ መሬት ናብ ቤተሰብ ጆርዳን ኪንየራ ክምለስ ዝወሰነ እንትኾን፡ ምስኣን እቲ መሬት መልክዕ ህይወቱ ክቕየር ከምዝገበሮ ይገልጽ።
''ኣብ ከይዲ እቲ መጎት ኣብ ስድራይ ዝረአኹዎ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኩነታትን ዘብጸሐልና ኣሉታዊ ጽዕንቶ፤ ከምኡ ድማ እናረአኹዎም ዝዓበኹ ተጓንፎታት፡ ዳሕራይ ሕጊ ተማሂረ ጠበቓ ንምዃን ክውስን ኣላዒሉኒ'' ክብል ጆርዳን ኪንየራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ወላዲ ጆርዳን፡ ኣብ ጉዳይ መሬት ብዝነበረ ዘይምስምማዕ ምስ ጎረባብቱ ዝተኻሰሰ እንትኾን፡ እቲ ጉዳይ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ እናተጓተተ ጸኒሑ እዩ።
ወላዲኡ ጥሮታ ወጺኡ ብምንባሩን ምንም ኣታዊ ስለዘይነበሮን፡ ከቢድ ኩነታት ከምዘሕለፈ ዝዛረብ ጆርዳን፡ እንተኾነ ወላዲኡ መሊሱ መሬቱ ክረክብ ምኽኣሉ ከምዘሐጎሶ ይገልጽ።
''ዝደንጎየ ፍትሒ ከምዝተቐበጸ እዩ ዝቑጸር። ሐዚ ኣቦይ ወዲ 82 ዓመት እዩ፡ እቲ መሬት ብዙሕ ንዕኡ ኣይጠቕሞን'' ዝብል እቲ ጠበቓ፡ ወላዲኡ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ሓንቲ ዘርኢ እኳ ከምዘይዘርአ ይዛረብ።
ኣብ ኡጋንዳ ክትዕ መሬት ልሙድ ከምዝኾነን፡ ንኣሰታት 35 ክሳብ 50 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ከምዝጸሉን ናማቲ ዝተብሃለ ጉጅለ ኣማኸርቲ ሕጊ ይገልጽ።