ኬንያውያን ስድራ ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቦይንግን ከም ዝኸሱ ኣፍሊጦም

ኬንያውያን ስድራ ግዳያት ብምኽንያት ኣብታ ቅድሚ ሰሙናት ዝወደቕት ነፋሪት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ስድርኦም ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ምፍራይ ነፈርቲ ቦይንግን ክኸሱ እዮም።

በቲ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ተጓዓዝቲ፡ 32 ኬንያውያን ይርከብዎም።

ቁፅሪ በረራ 302 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ-ኣዲስኣበባ ካብ እትብገስ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ደቓይቕ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ ክትበፅሓሉ ዝተሓሰበ ቦታ ግን ኬንያ ናይሮቢ ነይሩ።

ኬንያውያን ስድራ ግዳያት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ቦይንግን ብሕልፈት ህይወት ኣባላት ስድርኦም ተሓተትቲ ክኾኑ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።

ንገለ መረዳእታታት ብምፅራሕ ድማ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ገለ ክፋል ቦይንግ 737 ማክስ 8 ክፍተት ምንባሩ፡ ነቲ ሓደጋ ከም ዘስዓበ ገሊፆም።

እቶም ስድራ ብኬንያውያንን ኣሜሪካውያንን ጠበቓታት ዝውከሉ ኮይኖም፡ ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝኽፈት መዝገብ ክሲ ከም ዝዕወቱ እቶም ጠበቓታት ሓቢሮም።

ቅድም ክብል ስድራ ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኾነ ሩዋንዳዊ፡ ኣብ ዲዛይን ቦይንግ 737 ማክስ 8 ፀገም ነይሩ'ዩ ብዝብል ነቲ ኣፍራይ ነፈርቲ ከሲሶም'ዮም።

ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ መንነቱ ንዘይተገለፀ ምንጪ ፀሪሑ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ፓይለት ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ነቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር በቲ ኩባንያ ንዝተሓበረ ፈተነታት ኩሉ ከም ዝገበረ ገሊፁ።

ጉጅለ ምርመራ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሕጂ ዝተረኸበ ውፅኢት ሎሚ መዓልቲ ወግዓዊ ክገብሩ ትፅቢት ኣሎ።