እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ደረጃ ውጽኢት ምርመራ ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ዕላዊ ክግበር'ዩ
ክሳብ ሕጂ ዝተረኸበ ውጺኢት ምርመራ እታ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ዕላዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሚኒስተር ትራንስፖርት ኢትዮጵያ፡ ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሙሴ ይሀይስ፡ ውጽኢት እቲ ንምኽንያት ምውዳቕ እታ ናብ ናይሮቢ ተጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ንምፍላጥ ክካይድ ዝጸንሐ ምርምራ፡ ሎሚ ረፋድ ሰዓት 4፡30 (10፡30) ዕላዊ ከም ዝግበር ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ቤት ዕዮ፡ ውጽኢት ምርመራ ናይቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልቲ ከምዘፍልጥ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
እታ ዝወደቕት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስታ ምኽንያት ሞት 189 ሰባት ዝኾነት ነፋሪት ኢንዶኔዥያ ተመሳሰልቲ ኮይነን፤ ነቶም ክልተ ሓደጋታት ስዒቡ ኩለን ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ጠጠው ክብላ ከምዝተገበረ ይዝከር።