ኣብ ትግራይ ከተማ ዓድዋ፡ ስዋ ፆሚቑ ዝናበር ገብረመድህን ትኩእ

ኣብዛ መሬት ዝበቁል ፍጥረት ሰብ፡ ኣዳም መምህሩ ገይሩ ንምንባር፡ ውሕጅ ራሃፁ ክዘቁቕ ይግደድ። ትሻዓተ ፀገማት ጠጕጐም ወቕቲ እናፈለዩ እንትመፅእዎ ክሳብ እቲ ኣስኪኡ ዝኣትዎ ዓብዪ ሞት ደበኽ ዝብል ኢዱ ኣይህብን።

ብፍላይ ገሊኡ፡ ኩልሳስ ፀገም ኣብ ሃናቱ ክኹመር ዝተኣዘዘሉ ይመስል።

ነቲ ሓደ ቅሚጦ ፀገም ጐኒኹ እንተራገፈ፤ ናዕርታት ፀገምን መከራን እናተባረዩ ኣብ ጥራሕ እግሩ ቀሪም ክረግፅን ናብራ ከብዲ እግሩ ደም ቲፍ ቲፍ ክሳብ ዝብል ይሓስይዎ።

ገብረመድህን ትኩእ ዝተብሃለ ወዲ ኣዳም ኣብ ዓድዋ፡ ገድባ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ተወሊዱ። ከምቲ ኣብ ገለ ሰባት ዘጓንፍ ገና ወዲ 10 ዓመት እንተሎ፡ ወለዱ ተማሪሖም ናብ ዓዲ ሞት ገይሾም። ዘኽቲሙ ዘዕብዮ ስኢኑ ቁሊሕ ምሊሕ እንትብል ኣብ ከተማ ዓድዋ ትነብር ኣሞኡ ተቒቢለን ኣዕበየኦ።

ኣሞኡ ስዋ ይፆምቃ ስለዝነበራ ምእዙዝ ኰይኑ እናተለኣኸን ዓብዩ። ካልእስ ይትረፍ በርሚል ስዋ ምርካብ ስኢኑ ኣብ ኩርሲ ደይቡ ተመጣጢሩ ኣርኪቡ እናሰረሐ ንኣሞኡ ይሕግዝ ነበረ። "ንኣሞይ ማይ እናሓወርኩ፣ ስዋ እናፀሞቕኩላ ዓብየ፡ ክንዲ ሰብ ኰይነ" ይብል።

ገብረመድህን ዳግም ዕድል ኣይገበረን ኣሞኡ ሞይተን። ኣብ ዕፅው ገዛ በይኑ ተረፉ ሕልምልም በለ። ኰይኑ ግና ወላ ገደል ይሃሉ መድያይቦ ኣይሰኣንን። ሳላ ካብ ኣሞኡ ምፅማቝ ስዋ ዝተምሃረ ሰሪሑ ምንባር ቀፀለ።

ብዙሓት ስራሕ ደቀንስትዮ እዩ ኢሎም ዝወራዘይሉ ምፅማቝ ስዋ፡ ንገብረመድህን ክምት ኣየበሎን። ሓዊ ኣጕዱ፣ ተጐንቢሑ ኡፍፍ ኢሉ ዕንፀይቲ ኣሳዊሩ፣ ዳጉሻ ጥሒኑን ለዊሱን ይምጥቕ።

መጉእን ወዲ መጉኡን ኣሳንዩ ጌይሾ ሓሚሺኹ ይወቅጥ። ብርኩ ንባይታ ሂቡ ቡቑሊ ብመዲድ ይጥሕን። መኹባዕቲ ሓፂቡ ስዋ ፆሚቑ ኣጋንእ ይሓትም፤ ዓይኒ ደርሆ ዝመስል ስዋ ዓድዋ ጊእጊእ ኣቢሉ ቀዲሑ ይሸይጥ።

'ሰበይታይ'?

ብዙሓት ሰብኡት ብእንዳ ኽሽነ እኳስ ንኽሓልፉ ከምዛ ዝተዘርአ ግራት መሬት ንምርጋፅ ይስከፉ። ገብረመድህን ኣዒንቱ ማንታ ንብዓት ዘረብረብ ክሳብ ዝብል ትኪ እናተዓጠነ ሰሪሑ ኣይደክምን።

"ስዋ ፆሚቘ ግርምብያለ ገይረ ክሸይጥ ህዝቢ ዓድዋ እንታይ ኰን ይብለኒ?" ኢሉ ንፃት እውን ኣይሓሰበን። ኣዒንቱ ብጨው ሙልጭ ኣቢሉ ሓፂቡ፡ ካብ ስኽፍታ ፃዕዳ ሻሽ መሲሉ ሓራ ብምውፃእ ንባዕሉ ክኢሉ። ሓዳር ገይሩ ሽዱሽተ ቈልዑ ወሊዱን ኣዕብዩን።

ስዋ ፆሚቑ ምንባር ዝጀመረ ብ1972 ዓ.ም እዩ። ደጊም ገብጥዎ 39 ዓማውቲ ኣቑፂሩ። ሳላ ኣብ ስራሕ ዝተፀመደ "ሰብ እንታይ ኰን ይብል?" ኢሉ ክሳዱ ጠውዩ እውን ኣቕሊብሉ ኣይፈልጥን።

ዘረባ ሰባት ከም ከብዲ እኖ ጉራምራ ኰይኑዎ'ሎ ንገብረመድህን። ገሊኦም ስዋ ፆሚቑ ብምንባሩ ይሕጐሱ፤ የመጉስዎ እውን።

"እግዝኣብሔር ዝሃቦም" ድማ 'ሰበይታይ'፣ 'ሰንካቲ ቕጫ'፣ 'ፆማቒ ስዋ' ይብሉዎ። "ኣነ ግን ሰሪሐ ይነብረሉ ስለዘለኹ ዘረባ ሰብ ከም ፀርፊ ኣይቘፅሮን" ይብል፤ 'ተመስገን' መውፅኢት ኣፉ'ያ።

ገብረመድህን ኣብ ገፁ ኒሒን ጓህን ይንበብ። ዝኣመነሉ ስለዝሰርሕ ዘሎ ውሽጡ "ኣበጆኻ!" ኢሉ እንትዳመፆ ይሰምዕ። ዝበልዖ እምበር ዝዛረቦ ዘይስእን ሰብና እንተናሽዎ ድማ ከንፈሩ ረምጢጡ ጓሂን ሓዘንን ይገትእ።

"ናብ ስራሕ ዝወፈረ ሰብ ፆሙ ኣይሓድርን፤ ካብ ኮፍ ኢልካ ምውዓል ምስራሕ መኽሰብ ኣለዎ። ኣብ ሕማቕ ተግባር ዝውዕልን ኮፍ ዝብል ዘሎን እዩ ዝወድቕ" በለ ገብረመድህን።

ገብረመድህን ደኺሙ ዝፀሞቖ ስዋ ንሻሻት 20 ሳንቲም እንትሽየጥ ኣይርስዖን። ኣስትታ 40 ዓማውቲ ስዋ ፆሚቑ ዋጋ ሓደ ዋንጫ ምዕይ ኢሉ እንተተብሃለ ኣብዚ ሕዚ እዋን 4 ቕርሺ በፂሑ'ሎ።

ገብረመድህን ቈልዑ ኣዕብዩ ቦኽሩ 8ይ ክፍሊ ኣብፂሑ'ሎ። ቈልዑ ተደላዲሎም ክዓብዩን ከይኸፍኦምን ካብ መሸጣ ስዋ ብተወሳኺ ኣብ መረባ ቤቱ ኣባጊዕ የፍርይ። እንዳ መጥሓን ገፁ ሕሩጭ ክሳብ ዝመስል እውን ይሰርሕ።

ገብረመድህን ኣብ ገዛኡ ጥራሕ ኣይኰነን ዝሰርሕ። ናብ እንዳ ሰብ ከይዱ እንጀራ ይስንክት፣ ስዋ ይፆሙቕን ፀብሒ ይሰርሕን እዩ። ኣብ ዓድና ዘሎ ስራሕን ዝኽፈለካ ዋጋን ሰማይን መሬትን ምዃኑ ንምግላፅ ኣብነት የቐምጥ። "ሓደ እዋን ኩንታል ምሉእ ፃዕዳ ጣፍን ኩንታል ምሉእ ዳጉሻን ሰንኪተ፤ ላሕሚ ብምልእታ ፀብሒ ሰሪሐስ 140 ቕርሺ ዝተኸፈለኒ ኣይርስዖን" ይብል።

ገብረመድህን ትኩእ ዋላ እኳ ተፈጥሮ ዘርያቶ ወለዱን ኣሞኡን ኣብ ዕድመ ንእስነቱ እንተተመንጠለ ኣይተምበርከኸን።

"ሰበይታይ" ብዝብል ውርዝይና ደቂ ሓወቦ እውን ከም ኣርቃይ ኣይተሰበረን። ንኹሉ ክኢሉ ደቁ ናብ ቁዉም ነገር ከብፅሕ ክሳብ እዛ ዕለት ትንፋሱ ክሳብ ዝመሉቕ ኣብ ስራሕን ደፋእፋእን ይርከብ።

ፀገም ዘይበትከሉ ገብረመድህን ጓሉ ድማ ሓሚማቶ። ክሳብ ጓል ሸውዓተ ዓመት ትበፅሕ ኢደ እግራ ለሚሱ፣ ሑቘኣ ተለኹሲሱ፣ ኣፋ ተለጕሙ ዕድመ ንእስነታ ዓርኪ ማእሲ ኰይና ተሕልፎ'ላ።

"ሕክምና ፈቲነ ኣይተሳኸዐለይን፤ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ሩባ ኣብ ማይጸሎት ተቐሚጠ፡ እንተነኣሰ ካብ ሞት ኣድሒነያ ኢለ እኣምን" ይብል ገብረመድህን ክፈስስ ዝህንደድ ንብዓቱ እናገተአ።

"ባዕልና ሰዓት እናሓለውና ነብልዓ፣ ነሽና ፈፂማ ክትወሳወስ ኣይትኽእልን፤ ኣፈ መለፋልፋ ኣይስማዕን፤ ጓለይ ምሕማማ ጥራሕ እምበር ካልእ ኩሉ ፀገም ብስላ ብርከይ ሰሪሐ ዝኽእሎ እዩ ነይሩ" ብምባል ይዛረብ።

ኣብ መኸምበቲ ዘረብኡ "እዚ ክኢለ ግን ድማ ሕጉስ ኰይነ ይሓልፎ ኣለኹ" በለ።

ቅዱስ ቅንኢ

ኣብ ዓድዋ ሮቡዕ ሮቡዕ ዘስመየ እንዳ ስዋ ኣብ እንዳ ገብረመድህን ይቕዳሕ። ቀይሕ ባንዴራ ምልክት ፅራይ ስዋ እኳስ ኣይተክልን። ሰተይቲ ብዘይ ባንዴራ ዘለልይዎ እንዳ መስተ እዩ ተኺሉ።

ኣብ እንዳ ገብረመድህን ዝረኸብብናዮም ሰተይቲ ስዋ ብገብረመድህን ከምዝሕበኑ ይዛረቡ። ብልሙድ ንደቀንስትዮ ጥራሕ ብዕድል ዝተወሃበ ዝመስል ዋኒን ምፅማቝ ስዋ ንዓይ ከ 'ታይ ከይብለኒ ኢሉ ደፊሩ ስለዝሰርሕ ከምዝንእድዎ ይዛረቡ።

ገሊኦም በቲ ስርሑ ቅዱስ ቅንኢ ከምዝሓድሮም ብግልፂ ይገልፁ። ሓደ ዓሚል ሰታዪ "ከምዛ ትርእዮ ዘለኻ ነብሱ ኣሕሲሩ ስለዝሰርሕ ካብ ልቢ እየ ዝንእዶ" ኢሎኒ።

"እምበኣር ስዋ ደቀንስትዮ እየን ክፀምቆኦ ዝግባእ ነይሩ፤ ግን ከ ገብረመድህን ክብሪ ስራሕ ተረዲእዎ ኣብ መሸታ ስዋ ምውፋሩ ብሓቂ ክምስገንን ክሽለምን ይግበኦ" እውን ይብሉ።

ገብረመድህን ፀገም ኢዱ ሒዙ ኣምሂሩ ክእለት ኣጨቢጥዎ፤ ዓርሓ ተባዓት ኰይኑ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ግብግብ ይዕወት'ሎ።

ስራሕ ኣብ ከርሱ ስለዝሰረፀ ካብ ደጊም ንድኽነት ኣእዳዉ ሰፍ ኣቢሉ ኣይማረኽን። ሎሚ ግዳ ደቁ ኣዕብዩ። ንፍዕቲ በዓልቲ ቤቱ መብረ ረኺቡ ኣሽንኳይ ንድሕሪት ክምለስ ንድሕሪት ገፁ ክገብር ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ በፂሑ'ሎ።