ኩዕሶ እግሪ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2019 ክራኸባ እየን

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ 2019 'ሲኒየር ቻለንጅ ካፕ' ኣብ ሓደ ምድብ ከምዝተደልደላ ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳ ኣፍሊጡ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 7-19 ታሕሳስ ኣብ ዩጋንዳ-ካምፓላ ዝካየድ ግጥማት ኣብ ቀዳማይ ጸዋትኣ ምስ ዩጋንዳ ክትራኸብ'ያ።

ብመሰረት'ቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳሬሰላም ዝወጽአ ዕጫ ድልድል ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ቡሩንዲን ዩጋንዳን ኣብ ሓደ ምድብ ተራኺበን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ግጥም ምስ ቡሩንዲ እትራኸብ ኮይና፡ ቀጸልቲ ጸዋታታት ድማ ምስ ኤርትራን ዩጋንዳን ትገብር።

ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ ምድብ ክልተ፡ ንሶማሊያን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣካቲቱ'ሎ።

ኣብ ምድብ ሰለስተ፡ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ጂቡትን ዛንዚባርን ተደልዲለን ኣለዋ። እዚ ውድድር ኣብ ከተማ ካምፓላ ክካየድ'ዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2019 ናይ ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ምድብ ተደልዲለን።

ዩጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምድብ ሓደ ክድልደላ ከለዋ፡ ኣብ ምድብ ክልተ ድማ ታንዛንያ፣ ቡሩንዲን ጂቡትን ክራኸባ እየን።

እዚ ናይ ደቂኣንስትዮ ግጥም ካብ 9-18 ታሕሳስ ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ጂሩ ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2000 ንውድድር ሴካፋ፡ ኣብ ሓደ ምድብ ተደልዲለን'ኳ እንተነበራ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግጥም ክትገብር ፍቓደኛ ከይኮነት ተሪፋ ነይራ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2014 ኣብ ግጥማት ቻን ኣብ ሓደ ምድብ ተደልዲለን ኤርትራ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ጸዋታ ከይተቐበለት ተሪፋ።