ኤርትራ፡ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ንምእንጋድ ምድላዋታ ተጻፍፍ

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ትሕቲ 15 ዓመት ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ኣስመራ ክካየድ እዩ።

ኣብዚ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውድድር 11 ሃገራት፡ ሴካፋ ብዝገበረለን ዕድመ፡ ክሳተፋ ተመዝጊብን ምህላወን ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣብርሃም ሓቢሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ንምእንጋድ እቲ ግጥማት ዘድሊ ምድላዋት ብጽቡቕ ተሰላስል ምህላው ገሊጹ።

"ዳርጋ 50 ሚእታዊት ናይቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ምድላዋት ተጻፊፉ ኣሎ፤ እቲ ዝተረፈ ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ሰሙን እናማላእናዮ ክንከይድ ኢና። ጽቡቕ ናይ ውድድር እዋን ክኾነልና ከኣ ተስፋ ንገብር"።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኩለን ሃገራት ናይ ተጻወትተን ቅዳሕ ፓስፖርት ናብ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ክሰዳ ጀሚረን ኣለዋ ዝበለ ኣቶ ኢሳይየስ፡ ክሳብ ሕጂ ታንዛንያን ደቡብ ሱዳንን ናይ ተጻወትተን ዝርዝር ናብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከም ዝለኣኻ ገሊጹ።

ካልኦት'ውን ክሳብ ጽባሕ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ተጻወትተንን ናይ መራሕቲ ጋንታታተንን ዝርዝር ክልእኻ 'የን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

እተን ሃገራት ኣብ ሰለስተ ምድባት ተደላዲልን ውድድራተን ዘካይዳ ኮይነን፡ ምድብ ሓደ፡ ኤርትራ፡ ብሩንዲ፡ ኬንያን ሶማልያን፤ ኣብ ምድብ ክልተ፡ ኡጋንዳ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን፤ ኣብ ምድብ ሰለስተ ከኣ፡ ታንዛንያ ሱዳንን ጅቡትን ምዃነን ተፈሊጡ።

"ኣብቲ ቀዳማይ ዙርያ፡ ካብ ምድብ ሓደን ምድብ ክልተን፡ ሰሰለስተ ጋንታታት ካብ ምድብ ሰለስተ ድማ ክልተ ጋንታታት ብሓፈሻ ሸሞንተ ጋንታታት ናብቲ ዝቕጽል ዙር ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክሰግራ እየን" ኢሉ።

ንምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዝምልከት'ውን ብኣሰልጣኒ መኮነን ዘውዴ ከም እትምራሕን ካብ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ጀሚራ ተጠርኒፋ ልምምዳታ ኣብ ምክያድ ከም ዘላን ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም መጻረዪ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ከም እትገጥምን ብኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ኤፍሬም እናተኣለየት፡ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ኣብ ልምምዳት ከም እትጽመድን ኣቶ ኢሳይያስ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ እታ ጋንታ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ክተካትት ምዃና'ውን ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዘተፈላለዩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ተገሊላ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ነቲ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ብምጥቃስ "ድሕሪ ሕጂ ደረጃ ብደረጃ ወጺኻ ኬድካ ናይ ምጽዋት'ውን ዕድል ክህሉ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።