እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልቢ ኣፍቀርቲ ስፖርት ፍሉይ ዙፋን ዝወነነ ነጋሽ ተኽሊት
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ሎሚ ዓመት ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኤርትራ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘሳሰየቶ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 15 ዓመት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪካ (CECAFA)፡ ንምዕዛብ ናብ ኣስመራ ከይድና ነይርና። ኣብቲ ፀወታ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 10 ሃገራት ተሳቲፈን።
ኣብ ስታድዮም ኣስመራ(ችቸሮ) ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ንሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተፃወተ ኤርትራዊ ረኺበ ኣዛሪበዮ። ኤርትራዊ ነጋሽ ተኽሊት።
ነጋሽ ወዲ 21 ዓመት ለግለግ መንእሰይ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፃወተሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥም ሴካፋ ዋንጫ ወሲዳ ኢያ። ሎሚ ድማ ነጋሽ ተመሊሱ ትሕቲ 15 ዓመት ቈልዑ ኣብ ሴካፋ እንትፃወቱ ኰፍ ኢሉ ይዕዘብ ነበረ።
ቢቢሲ፡ ደሓን ዶ ኣለኻ ነጋሽ ተኽሊት? እንኳዕ ንምርእኣይ ኣብቀዐና!
ነጋሽ ተኽሊት፡ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም።
ቢቢሲ፡ ወዲ ኽንደይ ዓመት እንከለኻ ኢኻ ኣብ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትፃወት ነይርካ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ወዲ ዕስራ ምስኰንኩስ ንሃገራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ተመሪፀ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዝበላዕናሉ፡ ግጥም ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ወዲ 21 ዓመት ነይረ።
ቢቢሲ፡ ምስቶም ሻቡ ዝነበሩ ደቂ ጋንታኻ ትራኸቡ ዶ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ኩሎም እረኽቦም እየ። ምስ ገብረመድህን ሃይለ ብቴሌፎን ንራኸብ ኢና። ምስቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ እውን ከይደ እንከለኹ ረኺበዮም። ዝሓለፈ ግዜ እውን ናብ ኢትዮጵያ ከይደ እንከለኹ ምስ ገብረመድህን ብቴሌፎን ተራኺብና ኢና። ብኢንተርነት እውን ብቐፃሊ ምስ ገብረመድህን ንራኸብ ኢና።
ቢቢሲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ባሕቲ መስከረም ሰላም ኰይኑ ዶብ ምስተኸፈተ ናብ ኢትዮጵያ ከይድካ ዶ ነይርካ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ እወ ሚያዝያ ንኣዲስ ኣበባ ከይደ 21 መዓልቲ ገይረ፤ ንኣስመራ ተመሊሰ።
ቢቢሲ፡ ቀደም ተፃዋቲ እንከለኻ ዝዝክሩኻ ሰባት ረኺብካ ዶ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ቀደም ምፅዋተይሲ የሐጉሰኒ ነይሩ፤ 2017 ዓ.ም ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ቀደም ዝፈልጡኒ ሰባት ምስረኸብኩ አዐርየ ተሓጕሰ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ድማ እቶም መናእሰይ፡
'ነጋሽ ተኽሊት' ክብሉኒ እንከለዉስ፤ 'ንዓ እስከ፡ ክንደይ ድዩ ዕድመኻ?' ኢለ እሓቶም።
'ወዲ ሰላሳ ዓመት' ይብሉኒ። 'ዋእ! እሞ ኣነ እኳስ ካብቲ ሽዑ ዝፃወተሉ ዝነበርኩ 31 ዓመት ገይረ ኣለኹ' እብሎም ኣለኹ።
'እሞ ንሕና እኮ ታሪኽ ፀኒሑና እዩ' ብምባል መሊሶምለይ፤ ክሳብ ክንድዚ እዩ፤ ስለ'ዚስ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ግዜ እዩ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ኣብታ ጋንታ ኣበየናይ ቦታ ኢኻ ትፃወት ነይርካ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ኣነ ኣብ ኩሉ ቦታ እየ ዝፃወት። ወላ መሐለውታ ሓላዊ ልዳት፣ ተኸላኻላይ እኸውን፣ ኣብ ማእከል እፃወት፤ ኣብ ቅድሚት እፃወት ኣብ ኩሉ እየ እፃወት ነይረ።
ቢቢሲ፡ እቲ ዝሓለፈ ግዜ ንድሕሪት ተመሊስካ ከመይ ትዝክሮ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ኩልግዜ ኣብ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ክረአ እንከሎ ጦብላሕታ ኣሎ። ኩልግዜ እንድሕር ትዝከር ኰይንካ፡ ኩልግዜ ክዝረበሉ እንከሎ ኣብኡ ከምዘለኻ ኢኻ ትሓስቦ። ኣብቲ ዜና ህዝቢ ሓጐሱ ክገልፅ እንከሎ፡ ንሱ እዩ ጦብላሕታ ዝፈጥረልካ እሞ ብጣዕሚ እዩ ደስ ዝብል። ፅቡቕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና፤ ክሳብ ሕጂ ከዓ፡ ኣዲስ ኣበባ ከይደስ እኸብር ኣለኹ፤ ኣብ ካልእ ሃገራት ከይደ እውን ብኢትዮጵያውያን እኸብር ኣለኹ። ተፃዋታይ ብምዃንካ እዚ እዩ እቲ ዘሐጉሰካ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ራድዮ ነብሲሄር ጋዜጠኛ ደምሴ ዳምጤ ከኣ ብተመስጦ ስምኩም ከልዕል እንከሎ እንታይ ጦብላሕታ ይፈጥረልካ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ስመይ ክኹላዕ ዝገበረ ጋዜጠኛ ደምሴ ዳምጤ እዩ።
ቢቢሲ፡ ሎሚ ድማ ኣብ ኤርትራ ምክትል ፕረዚደንት ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ ኰይንካ ኢኻ ትመርሕ ዘለኻ እሞ፡ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከመይ ኣሎ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢና ቁሩብ ትሕት ኢሉ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ን2023 ዓ.ም ድልድልቲ ሃገራዊት ጋንታ ንምፍጣር ትሕቲ 15 ዕድመ ተፃወቲ ኣጠናኺርካ ምሓዝ ዝብል ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።
ከም መርአያ ዞባ ማእከል 5000 መናእሰይ ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ካብ 8 ክሳብ ትሕቲ 17 ዕድመ ዘለዉ ቈልዑ ማለት እዩ። እዚኦም ኣብ 2023 ዓ.ም እቶም ትሕቲ 17 ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ክኣትዉ እዮም። ክለባት ክጠናኸራ እውን ንጉስጉስ ኣለና። ምስቲ ሕዚ ምስ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም፡ ብዙሕ ፀወታን ርክብን እናገበርና፡ኩዕሶ እግሪ ክነዕብዮ ንፅዕር ኣለና።
ቢቢሲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመት፡ ኤርትራ አኣዳላዊት ትሕቲ 15 ዓመት ግጥም ሴካፋ ኰይና 10 ሃገራት ፀወተአን ኣብ ኣስመራ ኣካይደን፤ ከመይ ተዓዚብካዮ?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ኤርትራ ድሕሪ 2010 ትሕቲ 17 ዕድመ ክተዳልው ኣለዋ ምስተባህለ፡ ንዕኡ ንዳሎ ነይርና፤ ሴካፋ ከኣ ፀወታ ትሕቲ 15 ኣዳልዉ ስለዝበሉና፡ንሕና ብንሃቀውታ ኢና ተፀቢናዮ፡ መንግስትና ከኣ ኩልግዜ ኣብ እነዳልዎም ውድድራት ኣብ ጎንና ኰይኑ ሓገዝ ይገብረልና እዩ።
ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ምዃኖም ምስማዕ ከኣ ዝያዳ የሕጉሰካ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ጋንታ ኣብዚ መፂኣ ክትፃወት እንከላ፡ ምናልባት ኢትዮጵያ ክትፃወት እንከላ እቲ ኣብ ካታንጋን ትሪቡንን ዝነበረስ ናይ መን ደጋፊ ከምዝነበረ ተራእዩ ኣሎ።
እቲ መንእሰይሲ ዝነበሮ ሃንቀውታን ትፅቢትን ተራእዩ እዩ። ምናልባት እቲ ፀወታ ኣብተን ጋንታታት ናይ ዕድመ ፍልልይ ስለዝነበሮ፡ ከምቲ ዝድለ ውፅኢት ኣይክርከቦን እዩ። ስለምንይታይ ሕግን መምርሕን ዘይተኸተላ ጋንታታት ነይረን እየን።
ስመን ምጥቃስ እኳ ኣድላዪ እንተዘይኰነ፡ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ጋንታታት ካብ ዕድሚኦም ንላዕሊ እዮም መፂኦም። ስለ'ዚ ምስቶም ካብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን ደቡብ ሱዳን ዝመፅኡ ናእሽቱ ቈልዑ ምስኦም ዝመጣጠን ፀወታ ክፃወቱ ኣይከኣሉን። ስለዚ እቲ ዝተሓሰበን እቲ ገሊኤን ጋንታታት ሒዘነኦ ዝመፅኣን እቲ ክዕወት ዝተደለየ ዕላማን ከይሳነ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ንመፃኢ ክእረም ከምዘለዎ ሴካፋ ብኣኼባ እውን ኣልዒልዎ ኣሎ። ካብዚ ወፃኢ ግን፡ ሓደ እተን ሃገራት ኣብዚ ምምፀአን፡ ናይዛ ሃገር ሰላም፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከባቢኡ እንታይ ይመስሉ ዝብል ስእሊ ወሲዱ ኣሎ፤ ብተደጋጋሚ ካልእ ውድድራት ክርኢ ትፅቢት ኣለዎ። እዚ ኸዓ ንዕብየት ስፖርት ሃገርናን ከባቢናን ኣስተዋፅኦ ክህልዎ እዩ።
ቢቢሲ፡ ከም መጠን ገዲም ስፖርተኛ፡ ተፃወቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ባይታ ከመይ ገምጊምካዮም?
ነጋሽ ተኽሊት፡ንሕና ብዕድመ ብትኽክል መፂእና፤ እቶም መጋጥምትና ብትኽክል ስለዘይመፅኡ፡ ስእሊ ክንወስድ ኣይከኣልናን።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓደ ምድብ ነይረን እንተዝኾና እሞ እንተዝጋጠማ፡ እቲ ውድድር ሰሓቢ ምዀነ ነይሩ፤ ምኽንያቱ እቶም ተፃወቲ ኣብ ኣካላዊ ብቕዓቶምን ክእለቶምን ሓደ እዮም፤ ስለ'ዚ ተመጣጣኒ ፀወታ ምሃለወ፡ እቲ ህዝቢ እውን ምተሓጐሰ ነይሩ። ካልኦት ግን ልዕሊ እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ዕድመ እዮም መፂኦም፤ ምስቶም ትሕቲ 15 ዓመት ክፃወቱ እንከለዉ ይድህልዎም ኣለዉ ማለት እዩ። ጥሒሶምዎም ክኸዱ እንከለዉ እቲ ንእሽተይ ቈልዓ ሞራሉ ቁሩብ ትሕት ክብል ይኽእል እዩ።
ስለ'ዚ እዝታት ስለዝነበረ እቲ ዝድለ ስእሊ ኣይተወሰደን። ኣብ ዝመፅእ በቲ ሕጊ ተኸቲልካ ክፍፀም ተስፋ እገብር።
ቢቢሲ፡ ኩዕሶ እግሪ ብሓፈሽኡ ድማ ስፖርት፡ ሰላም ኣብ ምፍጣርን ህዝብታት ኣብ ምቅርራብን ማዕሮ ክንደይ ግደ ይፃወት?
ነጋሽ ተኽሊት፡ ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ነዊሕ ርክብ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት፡ናይ ሓደ ዓመት ሰላማዊ ርክብ ዝያዳ ዓብሊሉ፤ ጋንታ ኤርትራ ክትኣትው እንከላ፡ ተፃወቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ፀኒሖም ክቕበልዎም እንከለዉ፤ ብተመሳሳሊ ጋንታ ኢትዮጵያ ክትኣትው እንከላ፡ ተፃወቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ተፀብዮም ብጣቕዒት ክቕበልዎም እንከለዉ ክትርእይ፡ እቲ ህዝቢ ንሰላም ሃንቀውትኡ ይገልፅ ምህላዉስ ምስክር እዩ።
ቢቢሲ፡ ነጋሽ ተኽሊት ክብረት ይሃበልና ፤ስለዝረኸብናካ ድማ ሕጉሳት ኢና።
ነጋሽ ተኽሊት፡ የቐንየለይ።