ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ተገዲዳ

ምንጪ ስእሊ, Burundi Sécurité
ናብ ብሩንዲ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብሩንዲ ክትዓልብ ከም ዝተገደደት ምንጭታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠማ ስግኣት፡ ሓደ ተጓዓዛይ፡ ኣብ ሽቓቕ ናይታ ነፋሪት ብምእታው፡ ነታጒ ከባርዕ ምዃኑ ምፍርርሑ ምዃኑ'ውን ትካል ጸጥታ ብሩንዲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ዘለዉ፡ እቲ ኣፈራሪሑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብዝበጽሓና ሓበሬታ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ክኢሎም ኣለዉ።
ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መልኪዮ እንዳዳየ ንሰዓታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ'ውን እቲ ካብ ጸጥታ እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Burundi Sécurité
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ እታ ናብ ቡጁምቡራን ኪጋሊን እትጓዓዝ ዝነበረት በረራ ቑጽሪ ኢቲ817፡ ሓደ ተሳፋራይ እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ እዋን ቦምብ ከምዝሓዘ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ምፍርራሕ ከምዝገበረ ኣመልኪቱ። እታ ነፋሪት ብሰላም ከምዝዓለበትን እቲ ተሳፋራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝወዓለን 'ውን ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እታ ነፋሪትን ሰራሕተኛታቱን ናብ ልሙድ ስረሖም ከምዝቕጸሉ ዝገለጸ እቲ መገዲ ኣየር፡ በቲ ዝተፈጠረ ጸገም ንተሳፈርቱ ይቕረታ ሓቲቱ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







