ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ተገዲዳ

እታ ኣብ ብሩንዲ ዝዓለበት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዯጵያ

ምንጪ ስእሊ, Burundi Sécurité

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብሩንዲ ዝዓለበት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዯጵያ

ናብ ብሩንዲ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብሩንዲ ክትዓልብ ከም ዝተገደደት ምንጭታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠማ ስግኣት፡ ሓደ ተጓዓዛይ፡ ኣብ ሽቓቕ ናይታ ነፋሪት ብምእታው፡ ነታጒ ከባርዕ ምዃኑ ምፍርርሑ ምዃኑ'ውን ትካል ጸጥታ ብሩንዲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ዘለዉ፡ እቲ ኣፈራሪሑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ብዝበጽሓና ሓበሬታ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ክኢሎም ኣለዉ።

ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መልኪዮ እንዳዳየ ንሰዓታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ'ውን እቲ ካብ ጸጥታ እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ጥርጡር

ምንጪ ስእሊ, Burundi Sécurité

መግለጺ ስእሊ, እቲ ነቲ ስግኣት ዝፈጠረ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ እታ ናብ ቡጁምቡራን ኪጋሊን እትጓዓዝ ዝነበረት በረራ ቑጽሪ ኢቲ817፡ ሓደ ተሳፋራይ እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ እዋን ቦምብ ከምዝሓዘ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ምፍርራሕ ከምዝገበረ ኣመልኪቱ። እታ ነፋሪት ብሰላም ከምዝዓለበትን እቲ ተሳፋራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝወዓለን 'ውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እታ ነፋሪትን ሰራሕተኛታቱን ናብ ልሙድ ስረሖም ከምዝቕጸሉ ዝገለጸ እቲ መገዲ ኣየር፡ በቲ ዝተፈጠረ ጸገም ንተሳፈርቱ ይቕረታ ሓቲቱ።