ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቃል-ምስክርነት ክህብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ እንጻሩ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪቡ ቃል-ምስክርነት ክህብ ዝብል ሓሳብ ከምዝፈተዎ ገሊጹ።

ንሱ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሓፍ፡ ቃል-ምስከርነት ምሃብ ኣብ ግምት ከምዝእትዎ ሓቢሩ።

እቲ ሓሳብ፡ መጀመርያ ብኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ እዩ ቀሪቡ።

እቲ ብሰልፊ ዲሞክራት ዝምራሕ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ መራሒ ዩክረይን ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ ብዛዕባ ቀንዲ መቐናቓቱ ኰይኑ ክቐርብ ተዳልዩ ዘሎ ጆ ባይደን፡ ኣብ ሓደ ናይ ዩክረይን ትካል ዝገበሮ ብልሽውና ክጽናዕ ሓቲቱ ብዝበል ይምርምር ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነዚ መርመራ "ኣንጻረይ ዝግበር ሃድን" ክብል ገሊጽዎ።

ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ቀሪቡ ነቲ ሓቂ ክነግር፡ ሓንጐፋይ ኢሎም ከምዝቕበልዎ ገሊጻ።

እቲ ባይቶ ናብ ስርሑ ምእንቲ ከተኵር፡ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቀሪቡ ቃለ-ምስክርነት ክህብ ኣብ ግምት ከም ዘእትዎ ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ'ሎ።

ኣብዘን ቀረባ መዓልታት፡ እቲ ፕረዚደንት ብኣጠቃቕማ ትዊተር ብዙሕ ነቐፈታት በጺሕዎ እዩ። ቻክ ሽማከር፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ዝሰምዖ ዘሎ እንተዘይፈቲይዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ትዊተር ዝጽሕፍ ቀሪቡ ቃለ-ምስክርነት ክህብ ጸዊዑ።

ኣምባሰደር ኣሜርካ ኣብ ዩክረን ነበር፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪባ ቃለ-ምስክርነት እናሃበት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብትዊተር ገይሩ ምስ ኣጥቀዓ እዩ እቲ ርእይቶ ተዋሂቡ።

ኣምባሳደር ሜሪ ዮቫኖቪች፡ እቲ ናይ ትራምፕ ተግባር "ብጣዕሚ ዜፍርሕ" ክትብል ገሊጻቶ። ፕራምፕ ግን ነቲ ናታ ሓሳብ ነጺግዎ እዩ።

ኣምባሳደር ዮቫኖቪች፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት እያ ካብ መዝነታ ተኣልያ።

አባላት ሰልፊ ዴሞክራት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ 300 ሚልዮን ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ቅድሚ ምፍቃዱ፡ ኣብ ናይ 2020 ፕረዚደንታዊ ምርጫ መወዳደርቱ ዝኾነ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ምርመራ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ጸቕጢ ገይሩ ክብሉ ኸሲሶም ኣለው።