ፕረዚደንት ትራምፕ፡ 'ዘለናዮ ግዜ ንኣሜሪካውያን መንእሰያት ከቢድን ዘሰንብድን`ዩ

ፕረዚደንት ትራምፕ ኢዱ ብምውልብላብ ሰላምታ እንትህብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዳኛ ክኸውን ዝመዘዞ ብሪት ካቫናው ዘለዎ ደገፍ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ እቶም ኣንጻሩ ጠቐነታት ዘቕርቡ ዘለው ሰባት ብሓቂ ክፉኣት ኢዮም ኢሉ።

እዚ ዘለናዮ ግዜ ንኣሜሪካውያን መንእሰያት ኣዝዩ ``ከቢድን ኣሰንባድን`` ግዜ`ዩ ክብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝበለ ነቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ክኸውን ዝመዘዞ ብሬር ካቫናው፡ ነቲ ብገለ ደቀንስትዮ ኣንጻሩ ዝቐረበ ጠቐነ ጾታዊ ብዕልግና ኣብ ዝምክተሉ ዘሎ እዋን ኢዩ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ደገፉ ደጋጊሙ ዘረጋገጸ።

ኤፍ ቢ ኣይ [ቤት ጽሕፈት መርመራ ፌደራል] ገና ነቲ ኣንጻር ብሬት ዝቐረበ ጠቐነታት ይምርምሮ ስለዘሎ፡ እቲ ካቫናው ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክኸውን ተመዲቡ ዝነበረ መስርሕ ምድማጽ ተደናጒዩ ኣሎ።

ካቫናው ከም ዳኛ ናይቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ምዃን ንረብሓ ዓቃባውያን ክዛዙ ኢዩ ይብሃል።

ዚደንት ትራምፕ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዋይት ሃውስ [ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ] ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ``ሓደ ሰብ ስጋብ ገበነኛ ምዃኑ ዝረጋገፅ ነጻ ሰብ ምዃኑ ኢየ ምሉእ ዕድመይ ዝሰምዕ ዝነበርኩ`` ድሕሪ ምባል ሕጂ ግና ብኣንጻሩ ገበነኛ ኢኻ ስጋብ ነጻ ሰብ ምዃንካ ዝረጋገጽ ኢሉ።

እዚ ግና ኣዝዩ ኣዝዩ ኣሸጋሪ መምዘኒ ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

እዚ ዘለናዮ ግዘ ንኣሜሪካውያን መንእሰያት ኣዝዩ ዘሰንብድ ግዘ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ገበን ከይፈጸመ ገበነኛ ክብሃል ስለዝኽእል`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

መርመራ ኤፍቢኣይ ኣንጻር እቲ ንዝለዓለ ጽፍሒ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝመዘዞ ሰብ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምርኣይ ይጽበ ከምዘሎን ኣብቲ ጉዳይ ``ኢዱ ከምዘየእቱን`` ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ክሪስቲን ፎርድ ኣንጻር`ቲ ወዲ 53 ዓመት ዳኛ ካቫናው ገና ንኣሽቱ ከለው ቅድሚ 36 ዓመት ኢዩ ደፊሩኒ ኢላ።

``እዚ ደይ መደይ ኢልካ ናይ ሰባት ዕድል ንምዕናው ዝዓለመ ኢዩ። እዞም ሰባት ብሓቂ ክፉኣት ሰባት ኢዮም`` ኢሉ ፕረዚደንት ትራምፕ።