ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ህፃን ኣብ ቤት-ምግቢ ምዕማፃ ንብዙሓት ኣቖጢዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጓል 7 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ህፃን ኣብ ሓደ ቤት-ምግቢ ምስ ስድርኣ እናተዘናገዐት እናሃለወት፡ ሃንደበት ናብ ሽቓቕ ኣብ ዘምርሐትሉ ግዜ ተዓሚፃ።
ብኣጊድድኻ ምዕማፅ ዝተጠርጠረ ወዲ 20 ዓመት ውልቀ ሰብ፡ ናብ ሽቓቕ ኣብ ዘምረሐትሉ እዋን ደድሕሪኣ ብምስዓብ፡ ነዛ ህፃን ናብ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ሽቓቕ ወሲዱ ከምዝዓመፃ ተገሊፁ።
እዚ ተጠርጣሪ፡ ነዚ ገበን ኣብ ዝፈፀመሉ ቦታ ሽዑ ንሽዑ ተታሒዙ ብኣገዲድካ ምዕማፅን መዐወኒ ዕፅ ሒዝካ ብምርካብን ተኸሲሱ ኣሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንገበነኛታት ምዕማፅ ገነት ብምዃን፡ ልዑል ገበን ምዕማፅ ምስ ዝፍፀመለን ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ግዘ ጥራሕ፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝተፈፀመ መረዳእታ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሕብር።
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 110 ገበን ኣገዲድኻ ምዕማፅ ከምዝፍፀም 'ኣፍሪቃ ቼክ' ዝተብሃለ ቤት-ፅሕፈት ገሊፁ።
ናይዛ ህፃን ምዕማፅ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ደቅና ኣብ ሓደጋ እየን ክብሉ ቁጠዖም ይገልፁ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ተፈፂሙ ዘሎ ኣረሜንያዊ ተግባር፡ ኣብታ ሃገር እናተላብዐ ይመፅእ ዘሎ ተግባር ናበይ እዩ ዘምርሐና ዘሎ ኢሎም ንክሓቱን ንክሰግኡን ኣገዲዱ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኩሉ ግዘ መሬት ወግሐት ዜና ምዕማፅ ምስማዕ ልሙድ ከምዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፑምዛ ፊህላኒ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ በብግዚኡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብናይ ሓሶት ሓካይም ከምዝዕመፃ እዩ ዝግለፅ።
ካብዛ ግዳይ ምዕማፅ ኮይና ዘላ ህፃን ብተወሳኺ፡ ጓል 17 ዓመት ሓራስ እውን ብናይ ሓሶት ሓኪም ምዕማፃ ካልእ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ድማ ሓዘኖምን ስግኣቶምን ይገልፁ ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







