ዝተጐዘየ ኢድን ቀለቤት መርዓን፡ ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ

ሻርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወዲ ስኮትላንድ ዝኾነ በጻሒ ዓዲ፡ ናይ መርዓ ቀለቤቱን ዝተጐዘየ ኢዱን ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ ዝሐለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ጥቃ ማዳጋስካር ኣብ እትርከብ ደሴት ሪዩንየን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝሕንብስ ዝነበረ'ዩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በዓልቲ ቤቱ ንሰሙን ምሉእ ንዕርፍቲ ከም ዝመጸኣ ይፍለጥ።

እቲ ሻርክ ብኽኢላታት ንመጽናዕቲ ምስ ተታሕዘ እዩ፡ ኢዱን ቀለቤቱን ኣብ ከብዱ ዝተረኽበ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ንውሑዳት ደቃይቕ ንክሕንብስ ኢሉ ከም ዝተፈለያ ገሊጾም።

ሰብ-መዚ'ቲ ከባቢ፡ካብ በዓልቲ ቤቱን ካብ ካልኦትን ዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም፡ ብጀላቡ፣ ሓንበስትን ሄልኮፕተርን ተሃጊዞም እንተኣለሽዎ'ኳ፡ ነቲ ሰብኣይ ግን ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግና ኣብቲ ከባቢ ገለ ክፋል ኣካላት እቲ ሰብኣይ ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ።

ኣብቲ ብብዝሒ ሻርክ ዝርከበሉ ከባቢ፤ ንሓምበስትን በጻሕቲ ዓድን ዘጠንቅቕ ታቤላታት ተሰቒሉ ይርከብ።

ታበላታት

እቲ ሻርክ ምስ ካልኦት ዓሳታት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ህንደዊ ውቅያኖስ እዩ ተታሒዙ።

እቲ ስብኣይ፡ ኣብ ባሕሪ ምስ ጠሓለ ድዩ ወይስ እናሓንበሰ እንከሎ ብሻርክ ተበሊዑ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ኣብ ደሴት ሪዩንየን ክልተ ሓደገኛ ዝኾኑ መጥቃዕቲ ሻርክ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ፡ ኣብ ኩሉ ገማግም ባሕሪ እታ ደሴት ሰባት ንኸይሕብሱ ከልኪሉ ነይሩ እዩ።