ኤርትራዊት ኣደ፡ "ኲናት ሰብን ጥሪትን፡ ዘራእትን ንብረትን፡ ዘዕኑ ውሳይ እዩ!"

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ንእስነታ ተመርዕያ ዝወለደቶም ሓሙሽተ ደቃ፡ ዕምበባኦም ክትርኢ፡ ውላዶም ክትሓቁፍ እናበሃገት ተመራሪሖም ናብ ቃልሲ ሓርነት ወፊሮም። ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ኮይኑ፡ ዝኣተዉን ዝተረፉን እትንገር፡ ደቃ ንዝተሰለፉሉ ቃልሲ ሓርነት ብኹሉ እትኽእሎን ብጸሎትን እናንደገፈት ንልዕሊ 15 ዓመታት ከብዳ ሓቚፋ ተጸብያ።
ኮይኑ ምስተባህለ ከኣ፡ "እንቋዕ ምቕሊ ኣይከላእካኒ" ኢላ ንዝኣተዉ ደቃ ስዒማ፡ በጃ ናጽነት ንዝተወፈዩ ውሉዳ ምስ ህዝባ በኽያትሎም። ሞባእ ናጽነት ብምዃኖም ከኣ ዓመት መጽአ ኣብ ዝኽሮም ብሽምዓን ጸሎትን ትዝክሮም።
ምስዘን ወላዲት ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ዕቃበ፡ ብኲናት ንዝዓኑ ኣግራብን ኣከባብን ኢና አዕሊልና። ኲናት ብባህሪኡ አዕናዊ ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ኣብ ኲናት ዝተጽምደ ሰራዊት አዕናዊ እዩ።
ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ኣግራብ፡ ንመብሰሊ መግቡን ንመከላኸሊ ዕርድታቱን ቖሪጹ የዕንዎም። ጥሪት ይሃድማ፡ እንስሳ ዘገዳም ይብርግጋ፡ ኣናህብ ከኣ ብጨና ባሩድን ትክን ቆፎታቶም ገዲፎም ይግዕዙ። ሺሻይን በረኸትን ከኣ ምስኡ ይሃድም።
ሕቡራት ሃገራት ብኲናትን ዓሌታዊ ግጭትን ብዝምኽነ ኲናት ዝዓኑን ዝምዝመዝን ዕንወት ኣከባብን ኣግራብን ኣጥቢቑ ይኹንን።
ኣግራብን ኣከባብን፡ እንስሳ ዘገዳምን መነባብሮ አህዛብን ንከይዓኑ ኲናት ዝበሃል ነገር ክህሉ ኣይግባእን፤ ካብ ዝብል እምነት፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ን6 ሕዳር ከም ዓለማዊ መዓልቲ ዕቃበ ብኲናት ንዝዓኑ ኣግራብን ኣከባብን ከብዕላ ወሲኑ።
እንተኾነ ድሕሪ እዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለምና ዝተኸስቱ ኲናት፡ ኣብ ከተማታት ባቕዳድ፣ ደማስቆ፣ ኣሌፖ፣ ትሪፖሊ፣ ሑደይዳን የመንን ዝጠፍእ ዘሎ ህይወትን ዝዓኑ ዘሎ ንብረትን ንረኣይኡ ዘስካሕክሕ እዩ።
ምሉእ ህይወቱ ኣብ ኩናት ዘሕልፎ ዘሎ፡ ትማል ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ን20 ዓመታት ኣብ በረኻታት ሳሕል ዝተቓለሰ ገዲም ተጋዳላይ ሰብዓታት፤ ካብ ክልተ ህዝቢ ብምላዱ፡ ሕጂ ኣብ ዝነብረላ ሃገረ የመን፡ እንደገና ኣብ ኩናት ዝነብር ዘሎ፡ ካብ ፈለምቲ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ምኒስተር ነበር አሕመድ ኣልቀይሲ፡ "ኲናት ዕድመና ምሉእ ርኢናዮ፤ ኣካል ህይወትና ኮይኑ፡ ካባና ናብ ደቅና ሰጊሩ" ይብል።
"ኣብ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእትን ልዑላውነትን ከቢድ ኲናት አሕሊፍና። ሕጂ ኸኣ ኣብ የመን ብሓይልታት ረብሓ ብዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ታሪኻዊት ሃገር ክትዓኑ ንዕዘብ ኣሎና" ክብል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኩለን ኣባል ሃገራት፡ ኩናትን ግጭትን፡ ኣብ ሰብን ጥሪትን፣ ዘራእትን እጸዋትን፣ ቅርስን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዘውርድ ፍልጠትን ንቕሓትን አህዛብ ንምብራኽ ክምህራን ክጎሳጉሳን ይጽውዕ።
ነቲ ኲናት መን የሳውሮ?
ገዲም ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ኲናት ነናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያትን መንቀልን ዘለዎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ፡ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"ብዙሓት ሰብ ረብሓ፡ ሸየጥቲ ኣጽዋር ሃገራት፡ ብቐጥታን ብኢደ ኣዙርን ንዕዳግአን ክብላ ኢደን ዝሕውሳሉን ዘጎሃህራኦን ቀዛፊ ክስተት'ዩ" ክብል ከኣ ዝገልጾ።
ዳርጋ ኩለን እተን ኣጽዋር ዝሸጣ፡ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘለወን፡ ብናይ ቀውፊ (ቨቶ) ስልጣነን ዝፍለጣ፡ ከም ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሓያላን ሃገራት ዓለምና፡ ነቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብአዕናውነቱ ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ዘዕኑን ዘባድምን ተተኮስቲ፡ ዘፍርያ ንሳተን እየን።
ኣብዚ ቕንያት እዚ እኳ ዳርጋ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና፡ ኣብነት ኣብ ፓኪስታን፣ ሊባኖስ፣ ሆንግ ኮንግ፣ የመን፣ ዒራቕ፣ ሶርያ ዘጋጠመ ሞትን ዕንወትን ብማዕከናት ዜና ይቃላሕ ኣሎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዝዝረብን ዝግበርን አዕሚቕካ ክትሓስብ እንከለኻ፡ "መዓስ እዩ ኾን እቲ ዝበሃልን ዝግበርን ዝሳነ?" እትብለሉ ኩነትን ፍጻሜን ብዙሕ ምዃኑ ዝዛረብ ብርሃነ፡ ሕቡራት ሃገራት ከም ሰናይ ድሌትን ዘረባን እዚ ክግበር ኣለዎ እንተበለ፡ ንዝኾነ ጉዳያት ከተግብርን ከፈጽምን ዓቕሚ ከምዘይብሉ የዘኻኽር።
ብምቕጻል፡ "እቶም፡ ብኹናት አመኽኒና፡ ተፈጥሮ ኣይነዕኑ፣ ጫካታትን ኣግራብን ኣይነብርስ፣ ማያትን ቀላያትን ባሕርን ውቅያኖስን ኣይንበክል" ዝብሉና፡ እቶም መናቖቲና ኣጽዋር ዝሸጡልና ሓያላን ምዃኖም ይሕብር።
ይኹን እምበር ዓለምና፡ ሰናያን ድማዓን ዝምነዩ ዜጋታት ስለዘለውዋ፡ ኣብዛ ዕለት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ሳይንቲስት፣ ጋዜጠኛታት፣ መማህራን፣ ነጋዶን፣ ሓረስቶትን፣ ብጎንጽን ኩናትን ተፈጥሮ ዝለገሰልና ሃብቲ ከይነባኽን ኣትሪሮም ክምሕጸኑ ውዒሎም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







