ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ሓድሽ መራሒ ረቝሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ሞት መራሒ እቲ ጉጅለ ዝነበረ ኣቡበከር ኣልባቕዳዲ ብምእማን፡ ንዕኡ ዝትክኦ ሓዲሽ መራሒ ከም ዝረቝሐኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ብዝጥቀመሉ ማሕበራዊ ሚድያ ቴሌግራም ኣቢሉ፡ ዓብዱ ኢብራሂም ሃሸሚ ኣል-ቑራይሺ ሓድሽ መራሒ እቲ ጉጅለ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣልባቕዳዲ ብዝፈጸሙዎ ስርሒት፡ ኣብ ትሕቲ ገዛ ተኳዒቱ ናብ ዝነበረ ጎድጓድ ብምኻድ ዓርሰ ቕትለት ከም ዝፈጸመ ይግለጽ።
ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ መራሒ ናይ'ቲ ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ሊብያን ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዓለም ዝንቀሳቐስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ እዩ ነይሩ።
ኣይኤስ ብድምጺ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ዝነበረ፡ ኣቡ ኣል-ሓሳን ኣል-ሙሃጂር፡ ብ27 ጥቅምቲ ብምትሕብባር ኣሜሪካን ኩርዳውያንን ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።
እዚ ስዑዳዊ ዜግነት ዝነበሮ ውልቀሰብ፡ ንኣልባቕዳዲ ክትክኦ'ዩ ተባሂሉ ይእመን ነይሩ።
ሓድሽ ወሃቢ ቃል ኣይኤስ ኣቡ ሃማዝ ኣል-ቁራያሺ፡ ኣስላም ንትእዛዝ ሓድሽ መራሒ እቲ ጉጅለ ከቕበሉን ከኽብሩን ጸዊዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, US Department of Defense/Reuters
መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ መን እዩ?
ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ መራሒ ናይ'ቲ ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ሊብያን ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዓለም ዝንቀሳቐስ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ እዩ።
ንሱ ኣብ ዓለምና ቁጽሪ ሓደ ተሃዳኒ ሰብ ኮይኑ ጸኒሑ።
ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2011፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ብትውልዱ ዒራቓዊ ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ኣዳልያ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዳስ እስላማዊት ሃገር ናይ ምምስራት ሕልሚ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ ዓወደ ውግእ ከም ጨካንን ንሕስያ ከምዘይብሉን እዩ ዝግለጽ።
ንሱ፡ ብ1971 ኣብ ጥቓ ሳማራ እትበሃል ከተማ ዝተወልደ ኮይኑ፡ እቲ ቅኑዕ ሽሙ ኢብራሂም ኣውድ ኣል-ባድሪ እዩ።
ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ ንዒራቕ ክወራ እንከሎ፡ ኣብ መስግድ ከም ሸክ ኮይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ይንገረሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







