'ብኮንቴነር ዝተጓዕዙ' ኤርትራውያን ቆልዑ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Maciej Grabowicz
ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ቆልዑ ስደተኛታት 'ብኮንቴነር" ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣትዯም።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ቤልፋስት ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ከም ዝተወስዱ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቶም ቆልዑ፡ ብዘይ መሰነይታ ከም ዝተጓዕዙ'ውን ተፈሊጡ።
ዋላ'ኳ እቶም ቀልዑ ብኮንቴነር ከም ዝኣተዉ እንተ ተዛረቡ፡ ፖሊስ ግን ሓቂ ኣይኮነን ክብል ነጺግዎ። ብኸመይ ከም ዝኣተዉ ንምፍላጥ የጻሪ ከም ዘሎ'ውን ጠቒሱ።
እቶም ቆልዑ፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተረኽቡ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ውን ጸብጻባት ኣሚቶም።
ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከተማ ቤልፋስት ኣትዮም ኣለዉ።
ፖሊስ ኩነታቶም የጻሪ ከም ዘሎን፡ ንውሕሰነቶም ምስ "ዝምልከቶም ኣካላት ጥዕና ይዘራረብ" ከም ዘሎን ገሊጹ።
"ቀዳምነት ንሰርዖ ጸጥታን ውሕስነትን ናይቶም ቆልዑ'ዩ" ክብል ፖሊስ ሰሜን ኣየርላንድ ተዛሪቡ።
ቁጽሪ ናይቶም ስደተኛታት ቆልዑ ክንደይ ምዃኑ ፓሊስ ብንጹር ኣይገለጹን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







