እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ሰብ፡ ብረትን እንስሳን ኣልሸባብ ማሪኸም
ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፡ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን፡ እንስሳን ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ከም ዝማረኸ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣስታት 300 ናይቲ እስላማዊ ጉጅለ ጤለበጊዕ ከም ዝተታሕዛ መደበር ራድዩ ናይቲ ሰራዊት ጠቒሱ።
እቲ ስርሒት፡ ካብ ከተማ ባርዲሂረ 42 ኪሜ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ረይዳብ ዝተባህለት ቁሸት'ዩ ተኻይዱ።
እተን እንስሳ፡ ኣልሸባብ ብሓይሊ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝወሰደን ምዃኑ'ውን መግለጺ ናይቲ ሰራዊት የረድእ።
ኣዛዚ ናይቲ ስርሒት፡ ዓሊ መሓመድ ሓሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ሓያሎ ዕጡቓት ተማሪኾም ከም ዘለዉ'ውን ተዛሪቡ።
እቲ ንማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ንምዕላዉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ንስርሒታቱ ንምምዋል ንነበርቲ እቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት፡ ግብሪ ከም ዘኽፍሎም ይፍለጥ።
ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ መስመር ባይደዋ-ቡርካባ ብዝቐበርዎ ፈንጂ፡ ሓደ ወታሃደር ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትለ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ይሕብራ ኣለዋ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከቦም፡ ኣኽባሪ ሰላም ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም ክብላ'ውን ጸብጺበን።
ካብ ዝተፈላለያ ዞባውያን ሃገራት ዝተዋጸአ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሓይልታት መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ጸኒሑ'ሎ።
እቲ ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስትን ሰላማውያን ሰባትን መጥቃዕትታት ብምፍጻም፡ ኣብታ ሃገር ዓቢ ናይ ጸጥታ ጸገም ፈጢሩ ይርከብ።