እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልሸባብ 'ኣብ ሶማል ንዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣጥቂዑ'
ጅሃዳዊ ዕጡቅ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ኮማንዶታት ኣብ እተሰልጥነሉ መዓስከር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሞትን መቑሰልትን ከምዘስዓበ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዞባ ሸበሌ፡ ባሌደጉል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብርቱዕ ድምጺ ከቢድ ብረትን ቶኵሲ ፎኪስ ብረትን ከምዝሰምዑ ሓቢሮም።
ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ብምሕባር፡ ቦምባ ብዝጸዓነት መኪና ነቲ ኣፍደገ ብምኽፋት ወተሃደራቱ ናብ ውሽጢ እቲ መዐለሚ ወተሃደራት ከምዝእተዎም ሓቢሩ።
ወተሃደራውያን ሰብ መዚ ሶማል፤ ወተሃደራት ኣልሸባብ ተደፊኦም ካብቲ ቦታ ከምዝወጽኡ ሓቢሮም።
ኣልሸባብ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ "ኣብ ልዕሊ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ደፋር መጥቓዕቲ " ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ሞቓድሾ እውን ወተሃደራት ጣልያን ሒዛ ዝነበረት መኪና ብተባራዒ ከምዝተሃርመት ሚኒስትሪ ምክልኻል ጣልያን ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ዝሞተ ወተሃደር ከም ዘየለ ጠቒሱ።