ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ሓይሊ ኣየር ኢትዯጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመ፡ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ፀብፂቡ።

ኣብዚ ሰሙን ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት እታ ሃገር ምስ ኣጋር ሰራዊት ምብራቕ እዝ ብምውዳድ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀማ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

እቲ መጥቓዕቲ ብተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት ምድብ ምብራቕ ከምዝተፈፀመ፡ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብርጋዴር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ተዛሪቦም።

ብዚ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ሞራላዉን ንዋታዉን ኪሳራ ኣብጺሕና ኢና'ዉን ኢሎም።

እቲ ሓይሊ ኣየር፡ ክልል ኣየር እታ ሃገር ካብ ምሕለዉ ብዝዘለለ፡ ንኣጋር ሰራዊት ድጋፍ ብምሃብ፡ ኣብታ ሃገር ክበጽሕ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ወራርን ግብረ ራዕዳዊ ጥቕዓትን ኣብ ሓጺር ግዘ ክምክት ዝኽእል ጥንኩር ትካል'ዩ ኢሎም ብርጋዴር ጀነራል ይልማ መርዳሳ።