እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንምጽኣተ ዓለም' ተሓቢኦም ከሕልፍዎ ዝሃቀኑ ስድራ
ኣብ ሆላንድ ሓንቲ ስድራ 'ንምጽኣተ ዓለም' ንምጽባይ ኣብ ትሕቲ መሬት ንልዕሊ 9 ዓመት ድሕሪ ምሕበኦም፡ ሓደ ካብ ኣባላት እታ ስድራ ናብ ደገ ወጺኡ ቢራ ክሰቲ ምስ ወጽአ ብፖሊስ ክርከቡ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።
እዞም ስደራ፡ ሓደ ወዲ 58 ዓመት ኣቦን ካብ 18-25 ዝዕድሜኦም መንእሰያትን ኮይኖም ኣብ ዞባ ድረንዝ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ እዮም ተሓቢኦም ዝነብሩ ነይሮም።
እቲ ዝዓበየ ቆልዓ ካብቲ ጉድጓድ ወጺኡ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ባር፡ ቢራ ኣዚዙ እናሰተየ እንከሎ ንወናኒ እቲ ባር ታሪኩ ምስ ነገሮ፡ ፖሊስ መጺኦም ንየሕዋቱን ንወዲ 58 ኣቦን ካብ ጉድጓድ ከምዘውጽእዎም ተፈሊጡ።
ናይቲ ከባቢ ከንቲባ ዝኾነ ዲ ግሪት ግን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ዘሎ ዓቢ ሰብኣይ ኣቦ ናይቶም መንእሰያትን፡ ዋና'ቲ ገዛን ከምዘይኮነ ብምሕባር "ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ ርእየ ኣይፈልጥን'የ" ኢሉ።
ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ከም ዝሐበርዎ፡ እዞም ስድራ ንምጽኣተ ዓለም ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኦም ይጽበዩ ከምዝነበሩ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ዘይተረጋገጹ ዜናታት ድማ፡ ኣቦ እዞም ህጻናት'ውን ምስኦም ከምዝነበረ ጠቒሰን።
ዋና ባር ክሪስ ዌስትቢክ፡ እቲ መንእሰይ ሓሙሽተ ቦራ ኣዚዙ ከምዝሰተየን፡ ድሕሪ ምስታዩ፡ ሃዲሙ ከምዝመጽን ሓገዝ ከምዘድልዮ ምስ ሓበሮ ብሓባር ኮይኖም ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉ ሓቢሩ።
ብምስዓብ "ነዊሕ ጸጉሪ'ዩ ዘለዎ፡ ጭሕሙ ነዊሕን ረሳሕን እዩ፡ ኣረጊት ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ፡ ኩሉ ነገር ድንግርግር ዝበሎ እዩ ዝመስል፡ ንትሽዓተ ዓመት ከምዘይተቐምቀመን ናብ ትምህርቲ ከይዱ ከምዘይፈልጠን ነጊሩኒ" ኢሉ።
"ንሱ የሕዋቱ ኣብቲ ሕርሻ ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኦም ከምዘለዉን፡ ንሱ ቦኽሪ ምኳኑን ነቲ ኣነባብርኦም መወዳእታ ክገብረሉ ከምዝደልን ሓቢሩኒ" ይብል ዋና ባር ክሪስ ዌስትቢክ።
ሰብ መዚ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብኣካል ከይዶም ዳህሳስ ከምዘካዱን፡ ኣብ መመገቢ ክፍሊ ብድሕሪ ሓደ ዓቢ ከብሒ ናብ ትሕቲ እቲ ገዛ ዘውርድ ኣስካላ ከምዝረኸቡን ይሕብሩ።
እቶም ስድራ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።
እታ ርዩንዎርድ እትባሃል ዓዲ ትሕቲ 3000 ህዝቢ ዝነብራ ኮይና፡ ናይታ ዓዲ ናይ ሕርሻ ቦታ ካብታ ዓዲ ውጽእ ኢልካ'ዩ ዝርከብ።
እቲ እዞም ስድራ ተሓቢኦሙሉ ዝጸንሑ ቦታ ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ኣብ ቀጽሩ ዘራእቲ ኣሕምልትን ኣጣልን ኣለዎ።
ሓደ ነባሪ እታ ዓዲ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ገዛ ሓደ እዋን ሓደ ሰብ ከምዝርኣየን ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ከልቢ ርእዩ ከምዝፈልጥን ንማዕከን ዜና ዳች ተዛሪቡ።
ኣበጻጻሒ ፖስታ እታ ዓዲ ዝኾነ ሓደ ውልቀ ሰብ'ውን ናብቲ ገዛ ዘበጽሕ ፖስታ ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ ብምጥቃስ "ኣዝዩ ጋሻ ዝኾነ ነገር እዩ፡ ሕጂ'የ ብዛዕብኡ ዝሓስብ ዘለኹ" ክብል ንኣልገመን ዳግብላድ ዝተብሃለት መርበብ ሓበሬታ ቃሉ ሂቡ።
ፖሊስ፡ ነቲ ምስቶም መንእሰያት ዝጸንሐ ወዲ 58 ዓመት ሰብኣይ፡ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ምትሕብባር ስለዝኣበየ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ይምርምርዎ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ፖሊስ "ትማሊ ኣብ ርዩንዎርድ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ቦታ ብሕማቕ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ምስ በጽሓና ናብቲ ከባቢ ከይድና ረኺብናዮም" ኢሎም።
ብምቅጻል "ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉና" ብምባል እቲ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ሓጺሮም መርመራን ዳህሳስን የካይዱ ከምዘለዉ ጠቒሶም።
ክሳብ ሕጂ፡ እዞም ስድራ ንኽንደይ ዓመታት ኣብቲ ትሕቲ ባይታ ከምዝጸንሑ ንጹር ዝኮነ ሓበሬታ የለን፡ ዋላ እኳ እቲ ከንቲባ እቲ ከባቢ ኣደ እዞም መንእሰያት ቅድሚ ዓመታት ከምዝሞተት እንተገለጸ እንታይን ኮይናን ምዓስን'ያ ሞይታ ግን በብንጹር ኣይሓበረን።
ገለገለ ምንጭታት'ውን እዚ ወዲ 58 ዓመት ኣቦ፡ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ ኣብ ክንክን ናይ ሕክምና ከምዝርከብ ይጠቕሳ ኣለዋ።