ኣሜሪካዊ ሳሙኤል ሊትል፡ ሓደገኛ ቀታሊ ከምዝኾነ ኤፍ-ቢ-ኣይ ኣረጋጊጹ

ፌደራላዊ ቤትጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ)፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎ ቀታሊ ሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት 93 ሰባት ከምዝቐተለ ቃል ምስክርነት ከም ዝሃበ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ፌደራላዊ ቤትጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳሙኤል ሊትል ዝተባህለ ወዲ 78 ዓመት እሱር፡ ካብ 1970 ክሳብ 2005 ልዕሊ 59 ግዳያት ንሱ ከምዝቐተሎም ኣረጋጊጹ።

ተመራመርቲ ገበን ኣሜሪካ፡ ገና ብሳሙኤል ተፈጺሞም ኢዮም ዝተባህሉ 43 ጉዳያት ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ሳሙኤል ሊትል ብቕትለት ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ 2012 ንሕልፈት ንኽእሰር ተፈሪዱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ እዩ።

መብዛሕትአን ግዳያት ሳሙኤል፡ ካብ ማሕበረሰብ ዝተገለላን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ኣብ ናይ ምንዝርና ስራሕ ዝዋፈራን ብወልፊ ሓሺሽ ዝተጸመዳን ከም ዝነበራ ይግለጽ።

ሳሙኤል ተጓሳጣይ ብምንባሩ፡ ንግዳያቱ ቅድሚ ብገመድ ምሕናቑ፡ ብማህረምቲ ሃለዋተን ከምዝስሕታ ይገብረን ምንባሩ'ውን መርመርቲ ይሕብሩ።

ገለ ካብተን ዝሞታ፡ ብኣባላት ፌደራላዊ ቤትጽሕፈት መርመራ (FBI) ክሳብ ሎሚ ብግቡእ መርመራ ከይተገብረለን ከምጸንሓ ይግለጽ።

ናይ ገሊአን ሬሳታት'ውን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽበ እቲ ትካል ይሕብር።

እቲ ቤት-ጽሕፈት ብሰኑይ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሳሙኤል ዝተዋህበ ምስክረነት 'ሓቅነት' ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቶም ሰበሰልጣን፡ ነቶም ዘይተረጋገጹ ግዳያት ንምልልይ ኣብ ከንታኪ፤ ፈሎሪዳ፤ ሊውዝያና፤ ነቫዳ ከምኡ'ውን ኣብ ኣርከንሳስ ዝባህላ ክፍለሃገራት ተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ'ሎ።

ሳሙኤል፡ ኣብ 2012 ሓሺሽ ኣዘዋዊርካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ከተማ ከንታኪ ተታሒዙ። ናይ ዲ-ኤን-ኤ (DNA) መርመራ ምስተገብረ ድማ፤ ካብ 1987 ክሳብ 1989 ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ ዝተፈጸሙ ዘይተፈትሑ ቅትለታት ሰባት፡ ኢድ ከምዝነበሮ ተረጋጊጹ። እንተኾነ ግና፤ ሳሙኤል ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሳሙኤል በቲ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ ሓድሽ ክሲ ክቐረበሉ ድዩ ንዝብል ግን ኤፍ-ቢ-ኣይ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።