እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ስቅያት ቤት ማእሰርቲ 'ጄል' ኦጋዴን ክልል ሶማሌ
'ጄል' ኦጋዴን ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይርከብ። ሰፊሕ ጎልጎል ዝሓዘ እዚ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ቦታ፡ ካብ ብሎኬት ብዝተሃነጸ ኣብ ርእሲኡ ብስልክን ትርኮላታን ሓደገኛ ሓጹር ዝተኸለሎ'ዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ቤት ምእሰርቲ "ቤት ህንጸት ከተማ ጅግጅጋ" ዝብል ጽሑፍ እንተሃለዎ'ውን፡ ኣብ ውሽጢ ይፍጸም ነይሩ ብዝበሃል ስቓይ ግን "ጄ'ይል ኦጋዴን" ብዝብል ስያመ'ዩ ዝፍለጥ።
ምምሕዳር እቲ ክልል ዝነበረ ግን "ጄል ኦጋዴን" ተባሂሉ ከይጽዋዕ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ሰሚዕና።
ኮሚሽነር ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ክልል በሽር መሓመድ፡ 'ጄል' ኦጋዴን ብፍሉይ እንተተፈለጠ'ውን፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ግፍዕን ስቓይን ዝፍጸመሎም ዝነበሩ ቦታታት ከም ዘለው ተዛሪቡ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ቐጽሪ ብርክት ዝበሉ ካብ ብሎኬት ዝተሃነጹ ኣባይቲ ኢኻ ትርኢ። ኣብ ውሽጡ ካልእ ቐጽሪ'ውን ኣሎ። ቐጺሉ ኣብዚ ቐጽሪ ካልእ ተመሳሳሊ ቐጽሪ ትረክብ።
ቅድም ክብል ኣብ 'ጄል' ኦጋዴን ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት፡ እዞም ዝተፈላለዩ ቐጽሪታት፡ እሱራት በብደረጅኡ ስቅያቶም ዝቕበሉሎም ምኻኖም ይዛረቡ።
እቶም ኣብያተ ማእሰርቲ 7ይ፣ 8ይ፣ 9ይ . . . እናተብሃሉ ብቑጽሪ'ዮም ዝፍለዩ። እዚ 8ይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግን፡ ናይ ጸልማት ክፍልታት ዝርከበሉ ኾይኑ፡ ብገበን ግበረ ራዕዲ ወይ ኣባል ኦብነግ [ግንባር ሓርነት ኦጋዴን] ወይ ደጋፊ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝሳቐይሉ ቦታ'ዩ።
እዚ ኽፍሊ፡ ንውሕ ዝበለ ኣርባዕተ መዓጹ ኣለውዎ። ብነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተኻ፡ 10 ክፍሊታት ትረክብ።
እዚኦም ኩሎም ጸልማት ዝወሓጦም'ዮም። ስፍሓት እቲ ክፍሊ ካብ 10 ትርብዒት ሜትሮ ዝዛይድ ኣይኮነን። ኣብዞም ክፍልታት ስቅያት ካብ ዝበጽሖም ዓሊ ሓሰን ሓደ'ዩ።
ዓሊ ሓሰን
ዓሊ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣባል ክፍሊ ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ን17 ዓመት ሰሪሑ።
"ለይቲ ኣብ ሓለዋ ከለኹ፡ ሓለቓይ 'ንዓ እሱራት ቀጥቅጥ' ኢሉኒ፤ ኣነ ድማ ኣይገብሮን ኢለዮ ተመሊሰ። ካልእ ግዘ'ውን እንትሓተኒ ኣይኸውንን ኢለዮ። ድሕሪኡ እቲ ኮሚሽነር ምስ ሰምዐ፡ 'ንስኻ ምስ ኦብነግ ርክብ ኣለካ' ኢሉኒ ተኣሲረ" ይብል።
ዓሊ ን20 ኣዋርሕ፡ ኣብቲ 8ይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸልማት ክፍሊ ከም ዝተኣሰረ፣ ብዙሕ ግዘ ኣብ ጉድጓድ ምስ ተመን ከም ዝሓደረ፣ መግረፍትን ብዙሕ ስቓይን ከም ዝበጽሖ ይዛረብ።
"30 ኾይንና ኣብዚ ክፍሊ ተኣሲርና ነይርና። እቲ ክፍሊ ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ ከም ከልቢ ተደራሪብና ንድቅስ። ገለ እዋን፡ ደቂስና ከይንሓድር እቲ ክፍሊ ማይ ይመልኡዎ" እዩ ዝብል ዓሊ ሓሰን።
መዓጹ እቶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ካብ ሓጺን ዝተሰርሑ ኮይኖም ኣብ ሞንጎ እቲ ማዕጾ ክፍተት ከይህሉ ብስሚንቶ ተደፊኑ'ዩ። ዓሊ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣየርን ብርሃንን ናብ ውሽጢ ከይኣቱ ከምኡ'ውን ናብቲ ክፍሊ ብቱቦ ላስቲክ ክፈስስ ዝግበር ማይ ካብቲ ክፍሊ ከይወጽእ ንምክልኻል ዝግበር'ዩ።
"እቲ ክፍሊ ማይ ጥራሕ ይኸውን። ኣብ ማይ ከመይ ኢልካ ትድቅስ?" ኢሉ ዝሓትት ዓሊ፡ "ኣብ ማይ ክንድቅስ ስለ ዘይንኽእል፡ ግንባርና ኣብ መንደቕ ኣደጊፍና ንሓድር" ይብል።
ዓሊ "ቤተይ" ኢሉ ዝጽውዖ፡ መአከቢ ፈሳሲ ዓይነ ምድሪ ክኸውን ዝተሰርሐ ጉድጓድ'ዩ። ኣብዚ ምስ ተመን ከም ዝተኣሰረ ይዛረብ። "ኣብዚ ውሽጢ የእትውና'ሞ ይዓጽውና። ካብዚ ምስ ወጻእኹ ዝርኣየኒ ነገር የለን"።
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ጉድጓድ ብሸዕም ምስ ዝረቑሖ ጋዜጠኛ ከም ዝተኣሰረ የረድእ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ ቐጽሪ 'ጄል' ኦጋዴን፡ ናይ ከልቢ መሕደሪ ዝኾኑ ክልተ ብስልኪ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ኣለው።
ኣብ ካልእ ገዛ ድማ፡ ምስ ዝብእን ነብርን ይእሰሩ ምንባሮም፡ ሓለውቲ 'ጄል' ኦጋዴን ነጊሮምና እዮም።
ኣብዚ ሰባት ምስ ከልቢ ይእሰሩ ነይሮም ዝብል ዓሊ'ዩ። ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ፡ ሰባት ምስ እንስሳት ክእሰሩ ከም ዝርኣየ ገሊጹ።
መርመርቲ፡ እዚ ኹሉ ስቓይ ዝፍጽሙ ካብ እሱራት መረዳእታ ንምርኣከብ'ዩ። "ተዛረብ ይብሉኒ፤ ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ስቓይ ክበጽሐኒ ከሎ፡ ስቕ ኢለ ናይ ሰባት ሽም ይጽውዕ" ይብል።
መሪየም ኣብዱል
ግዳይ ስቅያት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነት ኣደ ሽዱሽተ ቖልዑ ዝኾነት ወይዘሮ መሪየም ኣብዱል'ውን ኣላ። "ኦብነግ ኢኺ ተባሂለ ኣብ ጄል ኦጋዴንን ቃሊቲን ብጠቕላላ ን10 ዓመትን 8 ወርሕን ተኣሲረ'የ" ትብል።
ወይዘሮ መሪያም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጄል ኦጋዴን ዝበጽሓ ስቓይ እንትትሓስቦ፡ ንብዓት ይቕድማ።
"ቀትርን ለይትን ይሃርሙኒ ስለዝነበሩ ሕጂ ብዳይፐር'የ ዝነብር" ትብል። ብዝበጽሓ መግረፍትን ሰኣን ሕክምናን፡ ሕጂ ሽንታ ምቁጽጻር ስለ ዘይትኽእል ኩል ግዘ ከም ቆልዓ ዳይፐር ክትጥቀም ተገዲዳ።
ኣብ ልዕሊኣ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት'ውን ከቢድ ስቓይን በደልን ይበጽሖም ምንባሩ ትምስክር። "ካብ ሓደ ናይ እሱር ክፍሊ ናብ ካልእ ንምውሳድ ሓደ እግርን ሓደ ኢድን ብካቴና ይኣስሩ ነይሮም። ገምቱዎ እስከ፡ ከመይ ኢልካ'ዩ ብካቴና ተኣሲርካ ምንቅስቓስ ዝከኣል?"
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ጾታዊ ጥቕዓታት ድማ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ምንባሮም ትዛረብ። "ለይቲ ለይቲ እናመጽኡ፡ ጽቡቓትን ብዕድመ ንኣሽቱን ዝበሉወን መሪጾም፡ 'ንዒ ንኮሚሽነር ሻሂ ኣፍልሕሉ' ይብሉ"።
ካልእ፡ ወይዘሮ መሪየም ኣብ ቤት ማእሰርቲ 'ጄል' ኦጋዴን፡ ህጻናት ምስ ኣደታቶም ይእሰሩ ከም ዝነበረ፤ ኣብ መዓልቲ ካብ ጥሕኒ ዕፉን ዝስራሕ ሓንቲ ቅጫን ሻሂን ጥራሕ ከም ዝቐርበሉ እያ ትዝክር ።
ክትዛረቦ'ውን ስክሕክሕ እናበላ፡ መርመርቲ ንዝሓቱዎም ሕቶታት ቀልጢፎም ምላሽ ንምርካብ ክብሉ፡ ብሻነኬሎ ካብ ዓይኒ ምድሪ፡ ሽንትን ፍታንን [ቀልቀልን] ዝተሓዋወሰ እናቐድሑ ኣብ ዝባኖም ይደፍኡሎም፣ ኣሲሮም ንሰዓታት ኣብ ጸሓይ ክጸንሑ ይግበር ከም ዝነበረ ትገልጽ።
ሕጂ'ውን፡ ብሻንኬሎ ተቐዲሑን ደሪቑን ዝርከብ ፈሳሲ ዓይኒ ምድሪ ኣብቲ ቦታ ኣሎ።
ኣውያት ስድራ
ስቓይ 'ጄል' ኦጋዴን ንእሱራት ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረተሰብ ይፈልጦም'ዩ።
ሓው፣ ዘመዱ ወይ ፈታዊኡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዎ ሰብ፡ ንደቒቕ'ውን እንተኾነ ዕረፍቲ ከም ዘይብሉ ኣይሻ መሓመድ ምስክር'ያ።
በዓል ቤታ ሰራሕተኛ መንግስቲ'ዩ ነይሩ። ንሳ ብዘይትፈልጦ ምኽንያት ግን፡ በዓል ቤታ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ተታሒዙ ኣብ ጄል ኦጋዴን ተኣሲሩ።
ኣደ ሓሙሽተ ቖልዑ ዝኾነት ኣይሻ፡ በዓል ቤታ ብዓይነ-ስጋ ምርኣይ እንተዘይኽኣለት'ውን፡ መዓልታዊ መግቢ ቋጺራ ትመላለስ ነይራ።
ሓሰን ፋራሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ 'ጄል' ኦጋዴንን ጎዴን ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ዋርዲያ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ናብ 'ጄል' ኦጋዴን ዝመጽኡ ስድራ፡ ዝተኣሰረ ዘመዶም ክሓቱ ኣይፍቀደሎምን።
ኣይሳ'ውን በዓል ቤታ ንሓንቲ መዓልቲ'ውን እንተኾነ ብዓይና ከይርኣየቶ ንኣዋርሕ መዓልታዊ መግቢ ኣመላሊሳ። ይኹን'ምበር፡ ንሱ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ሞይቱ።
ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ እሱር ኣርዲኡዋ። ብምንታይ ምኽንያት ሞይቱ፣ ኣስክሬኑ ኣበይ ኣሎ? ትፈልጦ ነገር የለን።
ሓላዊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሓሰን ፋራሕ፡ "ኣብዚ እሱር ሓሚሙ እንተሞይቱ፡ ሓሚሙ ተባሂሉ ኣስክሬኑ ካብቲ ቐጽሪ ወጻኢ ናብ ዘሎ ሕክምና ይለኣኽ። ድሕሪኡ ይቕበር። ንስድራ ግን ኣይንገሮምን። ካብዚ ተፈቲሖም ዝወጽኡ'ዮም ከይዶም ዘርድኡዎም" ይብል።
ፍትሒ
ኮሚሽነር ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ሶማሌ ኣቶ በሽር ኣሕመድ፡ ኣብ 'ጄል' ኦጋዴንን ካልኦት ብወግዒ ዘይፍለጡን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተገፍዑ ሓቢሩ።
"እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ 1991 ዓ.ም ጀሚሩ'ዩ ተኸፊቱ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ሽሕ ዝበጽሑ ሰባት ተኣሲሮምሉ ነይሮም ይብሃል" ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብዚ ብዙሓት ከም ዝሞቱን ትኽክለኛ ቑጽሮም ዘይፍለጥ ብምኻኑ ክጻረዩ ከም ዝግባእን ይገልጽ።
እቲ ኮሚሽነር፡ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ፍርዲ ይከታተሉ ከም ዘለውን ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተትሓዙ ሰባት ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብቶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ጉድኣት ንዝበጽሖም ሰባት ንምሕጋዝ መንግስቲ እቲ ክልል ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኮሚሽነር በሽር፡ ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎም ናይ ሕክምና ወጻኢኦም ልዑል ዝኾነ ሰባት ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሕከሙ ይሕገዙ ከም ዘለው ተዛሪቡ።
ዕጫ 'ጄል' ኦጋዴን
'ጄል' ኦጋዴን ካብ ዝዕጾ ኣዋርሕ ተቖጺሮም። ቐጺሉ እንታይ'ዩ ክኸውን ንዝብል ሕቶና ዝመለሰ እቲ ኮሚሽነር፡ "ዝተፈጸመ ነገር ኹል ጊዜ ክንዝክሮ ስለ ዝግብኣና፡ ቤተመዘክር ክኸውን ሓሲብና ኣለና" ኢሉ።
ብምቅጻል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ዝንባለ ዝተኣሰረ ሰብ ከምዘየለ ብሙሉእ ርእሰ ምእምማን ተዛሪቡ።