እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ መምሃሪ ክፍሊ ብምፍራሱ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ዝተጸቐጡ ተመሃሮ ንምድሓን ይስራሕ ኣሎ
ሰበስልጣን ኬንያ፡ በቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ መምሃሪ ክፍሊ፡ ዛጊት ሸውዓተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጾም።
ሎሚ ሰኑይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ መምሃሪ ክፍሊ፡ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ እቲ ፍርስራስ ተደፊኖም ከም ዝርከቡ ተገሊጹ'ሎ።
ተምሃሮ ናብ ክፍሊ ኣትዮም ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝተዳለዉሉ ሰዓት እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ኣርባዕተ ተምሃሮ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኢሉ።
ነበርቲ'ቲ ከባቢ ቀልጢፎም ናብቲ ከባቢ ብምብጻሕ ህይወት ተምሃሮ ንምድሓን ከም ዝተረባረቡ ተገሊጹ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ቅልጡፍ ግብረመልሲ ዘይምሃቦም ዘቖጥዖም ነበርቲ፡ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።
ፍሉጥ ኬንያዊ ብሎገር (ኣብ ኦንላይን ዝጽሕፍ) ብዙሓት ሰባት ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምእካቦም፡ ግዳያት ሓደጋ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ብትዊተር ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሞሰስ ዲራንጉ፡ መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰርሐ መስመር መእለዪ ረሳሕ ፈሳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ንዝተሃነጸሉ ሰረት ፍሒሩ ከፍርሶ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቡ።
ቤት ትምህርቲ 'ፕሪሽየስ ታለንትስ' ከባቢ 800 ተመሃሮ ኣለውዎ።