ኬንያ ዘተኣታተወቶ እገዳ ፕላስቲክ ውጽኢታዊ'ዶ ኮይኑ?

ኬንያ ኣብ ነሓሰ 2017 ኣሰር ናይተን 30 ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ብምስዓብ፡ ፕላስቲክ መሰከሚ ከረጺታት ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ኣጊዳ።

ኤርትራ ኣብ 2005፡ ሓንቲ ካብተን ኣቐዲማ ፕላስቲክ ከረጺት (ፌስታል) ዝኣገደት ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ሩዋንዳ ድማ ድሒራ ኣብ 2008 ስዒባታ።

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ንፍርያት ፕላስቲክ ከረጺት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋታት ዝርአ ፕላስቲክ መትሓዚ ማይ'ውን ንምእጋዱ ክደናደና ይርኣያ።

እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ናይ ፕላስቲክ ከረጺታት ኣብ ዕዳጋታት ኬንያ ይውዕሉ ነይሮም።

ብሰንኪ'ቲ ዝርገሐ ድማ ኣከባቢ ይብከል፡ ቱቦታት ፈሳሲ ርስሓት [ፋኛቱራ] ይዕበስ ስለዝነበረ ጽርግያታት ብውሕጅ የዕለቕልቑ ነይሮም።

ናይ ኬንያ፡ ኤጀንሲ ሓለዋ ኣከባቢ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ናይቶም ኣብ ከተማታት ዝሕረዱ ከብቲ፡ ኣብ ክብዶም ፕላስቲክ ይርከብ ከምዝነበረ የመልክት።

መንግስቲ፡ ንዓመታት 'ኣንጻር ፕላስቲክ ከረጺታት ስጉምቲ ክወስድ ኢየ' ድሕሪ ምባሉ ድማ" ኣብ ነሓሰ 2017፡ ምፍራይ፣ ምሻጥን ምክፍፋልን ፕላስቲክ ከረጺታት ብሕጊ ኣጊዱ።

ድሕሪ'ቲ እገዳ፡ 80 ሚኢታዊት ናይ ህዝቢ ኬንያ ፕላስቲክ ከረጺት ምጥቃም ደው ከምዘበለ መንግስቲ ገሊጹ።

እቲ ምዕባለ ኣዝዩ ኣተባባዒ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ከም መተካእታ ፕላስቲክ ከረጺት ዝቐረቡ መሰከሚ ከረጺታት'ውን ነቲ ኣካባቢ ሃሳዪ ኮይኖም ኢዩም ተረኺቦም።

ዝኾነ ፕላስቲክ ከረጺት ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ካብ ወጻኢ ነቲ ከረጺት ዘእቱ ይኹን ክሸይጥ ዝተረኽበ ትካል ኮነ ውልቀሰብ፤ ክሳብ 40,000 ዶላር ኣሜሪካ መቕጻዕቲ ወይ'ውን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል።

እቶም ነቲ ዝተኣገደ ከረጺት ክጥቀሙ ዝተረኽቡ ወልቀ ሰባት ድማ ክሳብ 500 ዶላር ኣሜሪካ ወይ'ውን ስጋብ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዱ ይኽእሉ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 300 ዝኾኑ ነቲ ሕጊ ዘየኽበሩ ሰባት ካብ 500 ዶላር ስጋብ 1,500 ዶላር ከምዝተቐጽዑን፡ ገለ ድማ ከምዝተኣስሩን፡ ምኒስተር ሓለዋ ኣካባቢ ኬንያ ይገልጽ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ዝነብሩ 18 ሰባት ነቲ ዝተኣገደ ፕላስቲክ ከረጺት ብምጥቃሞም ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ነብሲ ወከፎም ብ300 ዶላር መቕጻዕቲ ወይ'ውን ሸሞንተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።

እቲ ፍርዲ ኣብቲ ናይቲ ዳኛ ውሳነ ኢዩ ዝምርኮስ ኢሉ ሓላፊ ሃገራዊ ኤጀንሲ ምምሕዳር ኣከባቢ፡ ማሞ ማሞ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ወናኒ ፋብሪካ ዝተዋህበ ብይን'ዩ እቲ ዝተረረ ፍርዲ ዝብሃል። እቲ ዳኛ ነቲ ዋና'ታ ፋብሪካ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ብዘይዝኾነ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ኢዩ ፈሪድዎ።

እቲ እገዳ ኣብ ኣከባቢ ዓቢ ለውጢ ኢዩ ኣምጺኡ። ኣብቶም ዝሕረዱ ከብቲ ዝርከብ ዝነበረ ብዝሒ ፕላስቲክ ከረጺታት'ውን ነኪዩ።

''ዓቢ ምዕባለ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ከተማ ናይሮቢ ናብ ማሳይ ማራ [ቱሪስታት ዝኸድዎ ኣከባቢታት] ኣብ ትኸደሉ እዋን ዕምበባ ክመስል ኣብ ኣግራባት ተንጠልጢሎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ፕላስቲክ ከረጺታት፡ ዳርጋ ኣብዚ እዋን ኣይንሪኦምን ኣሎና'' ኢላ ናንሲ ጊታይጋ፡ ኣብ ጉዳይ ኣንስሳ ዘገዳም ኣብ ዝነጥፍ ትካል እትሰርሕ ኬንያዊት።

ዋላ'ኳ ገለ ካብቶም ዝተኣገዱ ዓይነት ፍርያት ፕላስቲክ መሊኦም እንተዘይጠፍኡ፡ እቲ እገዳ ዕዉት ኢዩ ክብሃል ይክኣል።

ዓበይቲ ዱኳናት [ሱፐርማርኬት] ብነጻ ዝህብኦ ዝነበራ ፕላስቲክ ከረጺት ደው ከብልኦ ከለዋ፡ ንእሽቱ ነጋዶ ግና ሓሓሊፎም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብኮንትሮባንድ ዝኣተው ፕላስቲክ ከረጺታት ክጥቀሙ ይርኣዩ።

ኬንያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዶባት ብዙሕ ውሑስ ስለዘይኮነ ድማ፡ ዘይሕጋዊ ፍርያት በቲ ዶባት ሶሊኹ ክኣቱ ዓቢ ተኽእሎታት ኣሎ።

ብድሆታት መንግስቲድሕሪ'ቲ እገዳ፡ ፖሊፕሮፒሊን ኢዩ ከም ኣማራጺ ቀሪቡ። እዚ ዓይነት ፕላስቲክ፡ ዳግም ክምስራሕ [ሪሳይክል ክግበር] ስለዝኽእል እዩ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፖሊቲን ዝበሃል ዓይነት ፕላስቲክ ዝያዳ ተመራጺ ክኸውን ዝኸኣለ።

እንተኾነ፡ እቶም ካብ ፖሊፕሮፒሊን ከረጺት ዘዳልዉ ዝነበሩ ፋብሪካታት፡ ዝያዳ ናብቲ ረቂቕ ዓይነት፡ ዳግም ክምስራሕ ዘይክእል ፕላስቲክ ክቕይርዎ ስለዝጀመሩ፡ መንግስቲ ኣብ መጋቢት 2019፡ ነቲ ካብ ፖሊፕሮፖውሊይን ዝስራሕ ዝነበረ ከረጺት'ውን ኣጊድዎ ነይሩ።

እንተኾነ እቶም ነቲ ሓድሽ ከረጺት ዘፍርዩ ዝነበሩ ፋብሪካታት ነቲ ሓድሽ እገዳ ብምቅዋሞም እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ጸኒሑ።

ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ መንግስቲ ዘተኣታተዎ እገዳ ብምቅዋሙ፡ ኣብዚ እዋን ፖሊፕሮፒሊን ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ ይርከብ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ፕላስቲክ መሰከሚ ከረጺታት ዝተገብረ እገዳ ብዙሓት ፋብሪካታት ብምዕጻወን ሽቕለት ኣልቦነት ተፈጢሩ፡ እቶም ዋናታተን ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከውፍሩ ከገድድ ከሎ፡ ንኻልኦት ድማ ካልእ ኣማራጺ ንግዲ ፈጢሩሎም ኢሉ ማሕበር ወነንቲ ፋብሪካታት ኬንያ።