ኣብ ሱዳን ንዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ፍትሒ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ካርቱም ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ቤተመንግስቲ ክቐርቡ ምስ ፈተኑ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ካርቱም ብምትእኽኻብ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ምእንቲ ደሞክራሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፍታት ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ፍትሒ ክረኽቡ ጠሊቦም።

እቶም ሰልፈኛታት ብሓሙስ ኣብ ፊት ቤተመንግስቲ ካርቱም ብምዃን፡ ጭርሖታት ከስምዑ፡ ባንዴራት ከንበልብሉን ሓድሽ ሽመት ላዕለዋይ በዓል መዚ ፍትሒን ክሓትቱ ተራእዮም።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብሰራዊት ተገዲዱ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ሱዳን ኣብ ሕንፍሽፍሽ ተሸሚማ እያ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣባላት ጸጥታ ነቶም ኣብ ከባቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኮይኖም ንመዓልትታት ናይ ተቓውሞ ድምጾም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ ድማ፡ ልዕሊ 100 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም ይገልጹ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊትን ጥምረት ሲቪላውያን ተቓወምትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እዚ ብሓሙስ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝዓበየ እዩ።

እቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ካብ ሲቪላውያንን ሰራዊትን ዝተዋጽኡ ኣባላት ዘለዎ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክቐውም ዘኽኣለ ኮይኑ፡ ናብ መረጻን፡ ሲቪላዊ ምምሕዳርን መገዲ ዝጸርግ እዩ።

ብሓሙስ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ክገትእ እኳ እንተፈተነ፡ እቶም ሰልፈኛታት ግና ነቲ መከላኸሊ ሓጹር ብምጥሓሶም፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሰሎም መሰኻኽር ንሮይተርስ ተዛሪቦም።

Presentational white space
ኣብ መኪና ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ዝተሰቐለ፡ ሰልፈኛ ኢዱ እና ኣወዛወዘ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መካይን ናይ ኣባላት ጸጥታ ዝተሰቐሉ ሰልፈኛታት

ጠንቂ ሕንፍሽፍሽ ሱዳን

እቲ ሕንፍሽፍሽ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ ኣብ ታሕሳስ 2018 ሕጹጽ ስጉምትታት ምስወሰደ ከም ዝጀመረ ይግለጽ።

መንግስቲ ንባኒን ነዳድን ዝገብሮ ዝነበረ ድጐማ ምቁራጹ፡ ተቓውሞታትን ቁጥዐን ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ።

እቲ ተቓውሞ ቀጺሉ፡ እቲ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክወርድ ክጠልብ ጀሚሩ።

ኣብ ሚያዝያ፡ እቲ ፕረዚደንት ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣን ተኣለየ፤ ሰልፈኛታት ድማ ስልጣን ናብ ሲቪል ክሰጋገር ድምጾም ምስማዕ ቀጸሉ።

እቲ ስልጣን ዝሓዘ ብሌተናል ጀነራል ኣብዱል ፈታሕ ኣብዱራሕማን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንኹነታት እታ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስ ክቃለስ እዩ ጸኒሑ።