ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት በኒ-ዓምርን ኑባን ብዝተወለዐ ግጭት 16 ሰባት ተቐቲሎም

ፖርት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ኣብ መንጐ በኒ-ዓምርን ኑባን ዓለታዊ ጎንጺ ድሕሪ ምውልዑ፤ ከባቢ 16 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ጎንጺ ብምንታይ ብኽንያት ከም ዝተወለዓ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ንኣማሓዳሪ እታ ክፍለ ሃገርን ንዞባዊ ሓላፊ ጸጥታን ካብ መዝነቶም ኣልዩዎም ኣሎ።

እቲ ግጭት፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክሳብ ቀዳም ዝቐጸለ ኮይኑ፤ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣይ ጎንጽታት ዝፈልዮ ድማ ንፈለማ እዋን ብረት ምጥቃሞም እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ግጭት ንምጉህሃር፡ ምትእትታው ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ክህልዎ ከም ዝኽእል መንግስቲ ሱዳን ይገልጽ።

ፖርት ሱዳን ርእሰ-ከተማ ክፍለ ሃገር ቀይሕ ባሕሪ ኮይና፤ ቀንዲ መተሓላፊት መራኽብን ንግድን እያ።

መብዛሕተኡ ናይታ ሃገር ናይ ንግዲ ኣቕሑ ብፖርት ሱዳን ዝሓልፍ ኮይኑ፤ ደቡብ ሱዳን'ውን በቲ ወደብ ኣቢላ እያ ነዳዲ እትሰድድ።

ሱዳን ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዕግርግርን ሞትን፡ ዝሓለፈ ሰሙን መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ልፍንቲ ተቓወምትን፡ ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ይዝከር።