ካብ ሱዳን ሃዲሞም ዝወጹ ኣይሁዳውያን ክምለሱ ሰብመዚ ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባላት ናይቲ ውሕዱ ቁጽሪ ዘለዎን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ዝወጽኡን ማሕበረሰብ ኣይሁድ፡ ናብታ ሃገር ክምለሱ ዕድመ ቀሪብሎም።
"ሱዳን ብዙሕነት እተአንግድ ሃገር'ያ" ክብል ሚኒስትር ሃይማኖታዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ነቲ ውሳነ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ተዛሪቡ።
"ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተገብረ'ዩ፡ ዘይተሰምዐ ነገር ኣይኮነን" ክትብል ካብ ናይ ሱዳን ኣይሁድ ዝተወልደት ጸሓፊት ደይሲ ዓቦድ ገሊጻ።
"ፈላሚ እወታዊ ስጉምቲ'ዩ" ድማ ኢላ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ፍሉይን ኣገዳስን ዝገብሮ፡ ካብ ብምልኡ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹን ባህልን ልምድን ሱዳን ዝተላበሱን ስለዝኾኑ'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ ዝተዳቐለ (ኮስሞፓሊታን) ባህሎም ብከም በዓል ሞሎኽያን ናይ ህጻናት መዛሙርን'ዩ ዝወራረስ።
ዝበዝሑ ካብ ናይ ሱዳን ኣይሁዳውያን፡ ኣብ መወዳእታ መበል 19ን መጀመርታ 20 ክፍለ-ዘመንን ናብታ ሃገር ዝመጽኡ'ዮም። ውሑዳት ግን ኣቐዲሞም ዝመጽኡ ነይሮም።
ሃገረ እስራኤል ድሕሪ ምምስራታ ዒላማ ጽልኣት እስራኤል ብምዃኖም ካብታ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም ትብል ደይሲ ዓቦድ።
"ከም ስለያ ዝበለ ውሑድ ጸለመታት ነይሩ- ኩሉ ሓሶት። ድሒሩ ድማ ምስ እስራኤል ዝተገብረ ናይ 1967 ኲናት-ሽዱሽተ መዓልታት መጺኡ። ሽዑ ኩሎም ኣይሁዳውያን መንእሰያት ብዘይ ክሲ ተኣሲሮም፡ ክሳብ እቲ ኲናት ዝውዳእ ንመዓልታት ተዳጒኖም፡ ድሕሪኡ ተፈቲሐም።
"ሽዑ'ዩ ነይሩ ንመወዳእታ ግዜ፡ ኩሉ ተሪፉ ዝነበረ ሰብ፡ 'ክንወጽ ኣለና' ዝበለሉ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







