እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘካትዑ ዝነበሩ ፍጻሜታት እዚ ዓመት
ኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት 2012 (2019) ንኽትቀበል ሒደት መዓልታት ወርሒ ጳጉሜ ጥራሕ እዩ ተሪፉዋ።
ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዘራረብቲ ካብ ዝነበሩ፣ ንሰባት ካብ ዘሕዘኑን ዘሰንበዱን ፍጻሜታት ገሊኦም ንርአ።
ሽመት ደቂ ኣንስትዮ
9 ሚያዚያ 2011 ዓ. ም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፍርቂ ሕጹያት ኣባላት ካቢኔ ዲቂ ኣንስትዮ ክኾና ዝሓረየን ዝርዝር ኣስማት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቐሪቡ።
ሹመት እተን ደቂ ኣንስትዮ ብሙሉእ ድምጺ በቲ ባይቶ ክጸደቕ እንከሎ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ "ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃ መሪሕነት ክረጋገጽ ኣለዎ" ኢሉ ።
እንተኾነ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝተለምዱ ናይ ሽመት ቦታታት'ዩ ተዋሂቡወን ዝብልን፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ብምዃነን ዝተውሃበን ይመስል። ደቂ ተባዕትዮ ክሽየሙ እንከለው ዘይልዓሉ ናይ ብቕዓት ሕቶታት'ውን ብኻልእ ሸነኽ ክልዓሉ ጸኒሖም።
ፈተነ 'ዕልዋ መንግስቲ'
ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ ሽዱሽተ ስቪልን ወተሃደራዊ መራሕትን ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝሰኣነትሉ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ነይሩ።
ቀዳም ምሸት15 ሰነ፡ ከተማ ባህርዳር ብተኹሲ ጠያይቲ ተባሪዓ፤ ኣዲስ ኣበባ ግን ርግእቲ ነይራ። መንግስቲ "ዕልዋ መንግስቲ'ዩ" ኢሉ ኣብ ዝገለጾ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ጀነራላት ክቕተሉ እንከለው፡ ኣብ ባህርዳር ድማ ኣመሓዳሪ እቲ ክልልን ኣማኻሪኡን ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ኤታማዦር ሹሙ ጄኔራል ሰዓረ መኮንንን ወተሃደራዊ መኮነን ጄኔራል ገዛኢ አበራን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም። በቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሑዎ ዝነበረ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ህይወቱ ሓሊፋ ተባሂሉ።
ኣብዘን ከተማታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎ ዝበለ መንግስቲ፡ ንሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ቀንዲ ጥርጡር ምዃኑ ሓቢሩ።
ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ሰኑይ 17 ሰነ ድማ፡ ዘንዘልማ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተለ ቴለቪዥን እቲ ክልል ሓቢራ።
ካብ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ ዝተሰምዑ ዜናታት ንህዝቢ እታ ሃገር ኣዝዮም ዘደንገጽው'ኳ እንተነበሩ፡ መንግስቲ ነዞም ፍጻሜታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝህቦ ዝነበረ ሓበሬታ ግን፡ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ብምንባሩ ንብዙሓት የካትዕ ነይሩ።
ውጽኢት ተምሃሮ
ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ውጽኢት መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መጀመርታ ክልተ መዓልታት ብዝተውሃቡ ፈተናታት ከም ዝውሰን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዓይነታት ትምህርቲ ሒሳብ፣ እንግሊዝኛ፣ አፕትቲዩድ፣ ጂኦግራፊን (ንማሕበራዊ ሳይንስ) ፊዚክስን (ንተፈጥሮ ሳይንስ)፡ እቲ ውጽኢት ዝውስኑ እዮም።
ምልዓል ውጽኢት ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ፡ ነዚ ስጉምቲ ዘበገሰ ምኽንያት'ዩ ተባሂሉ። እዚ ጉዳይ ብኣብዝሓ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዓብዪ ሕቶ ዘልዓለ ኮይኑ፡ ፈተና እንትውሃብ ዝነበሩ ጸገማት በዚ መገዲ ድዮም ክዕረዩ? ዝብል ክትዕ ኣልዒሉ ቀንዩ።
ተኸላ 350 ሚሊዮን ፈልሲ
ሓምለ 22, 2011 ዓ. ም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓታት 200 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ሒዛ ነይራ። ሚኒስትር ምህዞን ቴክኖሎጅን ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ፡ ኣብታ ሃገር 350 ሚሊዮን ፈልሲ ከም ዝተተኸለ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል 40 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዝሓትት ትልሚ'ዩ ኣበጊሱ።
ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ'ውን ሰኑይ 22 ሓምለ 2011 ስሩዕ ስርሖም ገዲፎም ኣብ ምትካል ፈልሲ ከምዝውዕሉ ተገይሩ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ 530 ፈልሲ ምትካል ይክኣል ድዩ? ዝብል ንብዙሓት ዘዘራረበ ጉዳይ ነይሩ። ይክኣል'ዩ ኢሎም ዝተበገሱን ፈልሲ ዝተኸሉን፣ ምስቲ ዝሓዙዎ ፈልሲ ስእሊ ዝተስኣሉ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገጠሞ ፖለቲካዊ ፈተና ብተኸላ ፈልሲ የደዓዕስ ኣሎ ዝበሉ ኣይተሳእኑን።
ኣብ መዓልቲ 350 ሚልዮን ፈልሲ ምትካል ይክኣል ድዩ ክብል ቢቢሲ ሪያሊቲ ቼክ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዘጸግም እኳ እንተዘይኮነ ከቢድ ቅድመ ምድላው ግን ዝሓትት'ዩ ኢሉ። ሰብ ሞያ'ውን ከምኡ እዮም ዝብሉ።
ቶቶ ቱርስ
ቶቶ ቱርስ ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል ሓባሪ መገዲ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝመደቦ ጉዕዞ ኣብዚ ዓመት ካብ ዘዘራረቡ ጉዳያት ሓደ ነይሩ።
እዚ ትካል ናብ ላሊበላ ሒዙዎም ክጉዓዝ ዝበሎም ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም በጻሕቲ ዓዲ፡ ኣፍሪቃውያን ምኻኖም ድማ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣካታዒ ኮይኑ።
ቶቶ ቱርስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ዑደት መርሃ ግብሪ ኣውጺኡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም በጻሕቲ ዓዲ ይምዝግብ ምህላው ምስ ሓበረ'ዩ ተቓውሞ ገጢምዎ።
ንሓደ ሰብ 7900 ዶላር ዝሓትት እዚ ጉዕዞ፡ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ኣርባ ምንጭ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ገዳማት ጣና፣ ጎንደር፣ ላሊበላ፣ ኣኽሱምን ካልኦት ቦታታትን ክበጽሕ መደብ ነይሩዎ።
ጫማን ቪላን ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ፡ ካብ ክትዕ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጠፊኡ ኣይፈልጥን።
ሓደ መዓልቲ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝህነጽ ዘሎ ሓደ ፕሮጀክት ምብጻሕ ከካይድ ዝተኸድኖ ጫማ ንኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝፈሪ 'ባሌንሲያጋ' ዝተብሃለ እዚ ጫማ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝኾነ፡ ንሰባት ኣዘራሪቡ ነይሩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት እዚ ጫማ ብውሑዱ 780 ዶላር [ከባቢ 22 ሽሕ ብር] ከም ዝሽየጥ ይገልጹ ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ እቲ ከንቲባ ዝነብረሉ ገዛ እዩ ዝተብሃለ ገዛ'ውን ርእሰ ጉዳይ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኮይኑ ነይሩ። ነዚ ገዛ ወርሓዊ 140 ሽሕ ብር ይኽፈሎ እዩ ዝብል ጉዳይ ድማ ብዙሕ ኣዘራሪቡ።
ዶላር
ኣብዚ ዓመት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝነበረ ዋጋ ሓደ ዶላር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምልዓልን ምትሓትን ኣርእዩ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ምስ በለ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ድኳናት ጸሊም ዕዳጋ ተዓጽየን ነይረን። ገለ ኣብዚ ጉዳይ ተረኺቦም ዝተብሃሉ ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ይኹን'ምበር፤ ባንኪታት ዘለወን ዶላር እኹል ኣይኮነን ዝብል ቅሬታ ተፈጢሩ።
ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ሓደ ዶላር ልዕሊ 40 በጺሑ ተባሂሉ ነይሩ። እዚ ነገር፡ ምሁራት፣ ነጋዶን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ካብ ዘዘራረቡ ጉዳያት'ዩ።
ሓደጋ ኢቲ-302
ባሕቲ መጋቢት 2011 ዓ. ም፡ ቑጽሪ በረራ ኢቲ 302 ዘሳፈረቶም 157 ተጉዓዝቲ ደሃዮም ጠፊኡ።
እታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ወዲቓ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዜጋታት 33 ሃገራት ብምሉኦም ሞይቶም።
በዚ ሓደጋ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነት፡ ዜጋታቶም በዚ ሓደጋ ዝሰኣኑ ሃገራት'ውን ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሎም ነይሮም።
በዚ ሓደጋ እዛ ነፋሪት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣፍራዪ ኩባንያን ቦይንግን ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ኣብ መወዳእታ ቦይንግ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሙሉእ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ተኣሚኑ።
ኩዕሶ እግሪ
ጸገም ዘይፍለዮ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት'ውን ብዙሕ ጸገማት ነይርዎ። ካብ ቀረባ ግዜ ንደሓር ኩዕሶ እግሪ ናይ ብሄር ፖለቲካ ዝንጸባረቐሉ ዓውዲ እናኾነ መጺኡ ዝብል ኣብ 2011 ብበዝሒ ይዝረበሉ ነይሩ።
ደገፍቲ ንክልለን ወኪለን ዝጻወታ ጋንታታት፡ ኣብ መጻወቲ ሜዳታት ከይተረፈ ንዳያኑን ተጻወትትን ዝሃረምሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።
ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ክዛዘም መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ግጥም ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን መቐለ 70 እንደርታን፡ ብመሰረት ውሳነ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ተሰሪዙ። ብዙሕ'ውን ኣዘራሪቡ።
እቲ ጸወታ፡ ኣብ ዕጹው ሜዳ ክካየድ ንዝተዋህበ ውሳነ ዘይተቐበለት ጋንታ ቡና ኢትዮጵያ ፡ እቲ ውድድር ተቛሪጹ ጸኒሑ፡ ደሓር ግን ደገፍቲ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ስታዲያም ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፤ እተን ጋንታታት ብማዕረ ውጽኢት ተፈላልየን።
መቐለ 70 እንደርታ ከኣ ቻምፒዮን እቲ ሊግ ምዃና ይዝከር።