እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ኢትዮጵያ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ሸይማ
ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ ራብዐይቲ ፕረዚደንት ኢትዯጵያ ኾይነን ተሸይመን።
ለካቲት 1942 ዝተወለዳ ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ፈረንሳይኛ፣ እንግሊዘኛን ኣምርኛን ብዝግባእ ይዛረባ።
ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞንተፔለ ፈረንሳ ብተፈጥሮ ሳይንስ ዝተመረቓ እንትኾና፡ ካብ 1989-1993 ኣብ ሰኔጋል፣ ማሊ፣ ኬፕ ቨርድ፣ ጊኒ ቢሳዎ፣ ጋምቢያን ጊኒን ኣምባሳደር ኮይነን ኣገልጊለን።
ካብ 1993-2002 ድማ ኣብ ጅቡቲ፡ ኣምባሳደር ኮይነን እንትሰርሓ፡ ኣብቲ እዋን ቀዋሚት ተወካሊት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ነይረን።
ድሕሪ እዚ ካብ 2002-2006 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኮይነን፡ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርንትን ሳይንስን ድማ፡ ቀዋሚት ተወካሊት ኮይነን ሰሪሐን።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊት ዝተዋደደ ኣኽባሪ ሰላም ብምዃን ኣገልጊለን።
ኣብ 2011 ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ኮፊ ኣናን፡ ኣብ ኬንያ ጀነራል ዳይሬክተር ሕቡራት መንግስታት ገይሮም ሸይሞምወን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብሓላፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ፍልይቲ ተወካሊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይነን ተሸይመን'የን።
ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ኣደ ክልተ ደቂ እየን።