ኢትዮጵያ፡ "ስለ ምንታይ ኣሉላ ጀግናይ ኰይኑ?

ናይ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ምስክር፡ ኣብ ቤተ መዘክርን መዛግብትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ገለ ሻብ ኣብ እንረግጾ መሬት'ውን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ናጽነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ንምውሓስ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ዝተኻየዱ ውግኣት ኣብ ምፍሻል፡ ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ኣብ ተምቤን መነወ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ'ዩ ተወሊዱ።

እዚ ከባቢ ብዛዕባ እዚ 'ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ጀነራል' ተባሂሉ ዝተጸሓፈሉ ራእሲ እንታይ ይዛረብ?

ዝወዓለሎም ዓውደ ውግኣት ከ ኣበይ'ዮም ዝርከቡ? ክብሉ ድማ፡ መናእሰይ እዚ ዘመን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንምግባር ካብ መቐለ ናብ እንዳባ ገሪማ (ዓድዋ) ትማሊ ተበጊሶም ኣለው።

እስራኤላዊ ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ሃጋይ ኤርሊክ፡ ንራእሲ ኣሉላ ቁቢ "ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ጀነራል" ክብል'ዩ ዝገልጾ።

ምሁር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣቶ ሳሙኤል ኪዳነ ድማ፡ "ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ኣብ መዋእል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተርኣዩ ጀጋኑ ኣቦታትና ሓደ'ዩ" ይብል።

ራእሲ ኣሉላ ቁቢ፡ መን'ዩ?

ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ካብ ድኻ ቤተ ሰብ ዝተወልደ ኰይኑ፡ ዳዊት ደጊሙ፡ ፊደል ቖጺሩ ከም ዝዓበየ'ዩ ዝዝንቶ።

ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ 'ንጉሰ ነገሰት' ቅድሚ ምባሎም፡ ዓስከር [ኣገልጋሊ] ኣመሓዳሪ እንደርታ ዝነበሩ ራእሲ ኣርኣያ ድምጹ ኰይኑ'ዩ ዓብዩ።

"ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ ንጉሰ ነገስት ምስ ኮኑ ግን፡ እሙንን ምእዙዝን ሓሽከር ክዀነካ'ዩ ኢሎም ራእሲ ኣርኣያ ንሃጸይ ዮውሃንስ ሂቦምዎ።

ኣብ መዋእል እቶም ንጉስ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ኤርትራን ትግራይን ቦታታት ኣብ ምውሓስ ኣብ ዝተገበሩ ውግኣት መራሒ ኰይኑ'ዩ ወፊሩ" ይብል ሙሁር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣቶ ሳሙኤል ኪዳነ።

"ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ ዘበነ ንግስና" ብዝብል ርእሲ ዓወት ዓድዋ ዝጸሓፈ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ታሪኽ ራይሞንድ ጆናስ፡ ንስብእና ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትገልጽ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ልዑል ናይ ጅግንነት ቦታ ካብ ዘለዎም ውሑዳት ሓርበኛታት ሓደ'ዩ። ኣሉላ ቀጢን ኰይኑ፡ ዓይኑ ንውሽጢ እትው ዝበላ ክቢ ቕርጺ ገጽ ዘለዎ'ዩ" ይብል።

ንራእሲ ኣሉላ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡዎ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ዝነበረ ኣጉስተስ ዋይልድ ድማ፡ "ኣሉላ ጸሊም ኢንግሊዛዊ'ዩ ዝመስል። መልክዐኛ መንእሰይ ኰይኑ፡ ብማዕርነት ዝኣምን ኣንደበተ ርቱዕ ሰብ'ዩ" ክብል ከም ዝገለጾ ራይሞንድ ይጠቅስ።

ምሁር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣቶ ሳሙኤል ኪዳነ ብወገኑ፡ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ተዋጋኢ፣ ምእዙዝን ንፉዕን መራሕን ኰይኑ፡ ዝነበሮ ብምልኡ ምስ ሰብ ተኻፊሉ ዝበልዕ ለጋስ ሰብ'ዩ ነይሩ ብምባል የዘኻኽር።

"ስለምንታይ ኣሉላ ጀግናይ ኮይኑ?"

ንጉዕዞ እግሪ እቶም መናእሰይ ዝመርሕ ዘሎ መንእሰይ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ስለ ምንታይ ኣሉላ ኣባነጋ ናተይ ጀግና ኮይኑ? ክብል ንርእሱ እንትሓትት፡ "ውርሻታቱ ብዙሓት ስለ ዝዀኑ" ዝብል ምላሽ የአንፍት።

ንሱ ከም ዝብሎ፤ ከም ሓደሽቲ ወለዶ ኣሉላ ክንዀርዓሉ ዝግባእ ጅግና'ኳ እንተዀነ፡ "መን'ዩ?" ንምርዳእ ግን ብዕምቆት ታሪኹ ክትፈልጥ ይግባእ።

"ኣነ ንዕኡ ክፈልጥ እንተውሓደ ሰለስተ ዓበይቲ ብዛዕብኡ ዝተጽሓፉ መጽሓፍቲ ረኺበ'የ። ልዕሊ ኸሉ ግን ኣሉላ ኣባ ነጋ እቲ ዝነበረሉ ዘመን ተሞርኪዝና ኢና ጅግና እንብሎ" ዝብል መንእሰይ መሓሪ፡ እቲ ዘመን ድማ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን፡ ሃገራት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ንምቅርማት ይጓየያ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ ይገልጽ።

"ኣሉላ ኣብዚ እዋን ዝነበረ ሰብ'ዩ። ኣብ ጉንደት፣ ጉራዕ፣ ኩፊትን ካልኦትን ዝተኻየዱ ዓበይቲ ውግኣት ክትርእዮም ከለኻ ምስ ናይ ደገ ወረርቲ ዝተኻየዱ ውግኣት ኰይኑ፡ ብሙሉኦም ድማ ብዓወት ዝተዛዘሙ'ዮም"።

ሜሮን ዜናዊ ዝተብሃለት ኣካል እቲ ጉዕዞ'ውን፡ "ራእሲ ኣሉላ ንዓይ ጅግናይ'ዩ፡ ልዕሊ ጅግና ዝስይሙ ቃላት እንተዝህሉ ንዕኡ ምሃብኩዎ" እያ ትብል።

ስለ ምንታይ? ኣሉላ ኣባነጋ ነታ ሕዚ ዘላ ኢትዮጵያን ትግራይን ንክትህሉ፣ መንነት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ጽልዋ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናጻ ክኸውን ዝገበረ መራሒ ብምንባሩ'ዩ ክትብል ምኽንያታ ተብርህ።

"ኣብዚ ጉዕዞ ብዙሕ ነገር ይፈልጥ ኣለኹ፤ ትውልዲ ቦትኡ፣ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ዝገብሮም ዝዛረቦም ዝነበሩ ነገራት ኣብ ጉዕዞይ ይግንዘብ ኣለኹ። እዚ ድማ፡ ጽንዓት ሓቦን ስምዒት ትግራዋይነትን ክህልወኒ ገይሩኒ" ትብል እታ መንእሰይ።

ነባሪ ናይታ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከባቢ መነወ፡ ደሳለኝ ረዳ ብወገኑ "ኣሉላ ካብ እዋን ቁልዕነቱ ተበግሶ ሓርበኝነት ዝነበሮ፣ ቅኑዕን ምሕደራ ጽሩይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝኣምን ሰብ ምንባሩ እዩ ታሪኽ ዝነግረና። በዚ ድማ ኣብ ዕድሜና ክንኾርዐሉ ዝግባእ ጅግና ኾይኑ ኢና ንረኽቦ" በሃሊ'ዩ።

"ኣነ ኣሉላ ክገልጾ ከለኹ ብቑዕ፣ ሃገሩ ኣሕሊፉ ዘይህብ በዓል ሰፊሕ ሕድሪ'ዩ ኢለ'የ ዝገልጾ" ይብል መንእሰይ ደሳለኝ።

ነዞም ክብርታት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ንዝኽሪ እቲ ጀነራል ጉዕዞ እግሪ ክገብሩ ከም ዝተበገሱ ዝገልጹ እዞም መናእሰይ፡ እዚ ድማ ክብሮም ዝገልጽሉ ሓደ መገዲ ምኳኑ ይገልጹ።

"ኣሉላ፡ ብሞያዊ ስነ ምግባር'ውን ክሳዕ መወዳእታ እሙን'ዩ ነይሩ" ዝበለ መሓሪ ዮውሃንስ፡ 'እምነት' ሓደ ሰብ ክጎድሎ ዘይግባእ ክብሪ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ኣሉላ ኣብ ዘመኑ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ብዙሓት ፈተናታት ይገጥሙዎ ነይሮም። ብስልጣን ንሕንሕ ጸገም ዝፈጥርሉ ነገስታት ነይሮም። ንሱ ግን ልዕሊ ውልቀ ክብርን ጥቕምን ዓድን ህዝብን ናይ ምቕዳም ዝብሉ ክብርታት ዘለውዎ'ዩ።...

ኣሉላ ጀግናይ እዩ ክብል ከለኹ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ከም ሰብ ዝጨበጦም ስብእናታት ክህልውኒ ስለዝደሊ'ዩ። ሓደ ሕብረተሰብ እውን ጥዑይ ክኸውን እንተኾይኑ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክህልውዎ ኣለዎ ኢለ ይኣምን። ስለዚ ኣሉላ ንዓይ ጀግናይ'ዩ" ብምባል ዘረብኡ ይኣስር።

ዓውደ ውግኣት ኣሉላ ኣባ ነጋ

ኢትዮጵያ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝመጽአ ሰራዊት ጥልያን ኣብ 1896 ኣብ ዓድዋ ቅድሚ ምስዓራ፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ዝመጽኡ ዝነበሩ ናይ ደገ ሓይልታት ንምምካት ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ኣናኣሽቱን ውግኣት ተኻይዶም'ዮም።

እዚኦም፡ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ውዒሉሎም'ዩ ተባሂሎም ዝፍለጡ እንትኾን፡ ዳርጋ ኣብ ተቐራራቢ ዓመትን ወርሕን ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝተኻየዱ'ዮም ነይሮም።

  • ራእሲ ኣሉላ ዝቖሰለሉ ብ1885 ኣብ ኩፊት ምስ ማህዲስት
  • 16 ሕዳር 1875 ዓም ፈረንጂ ኣብ ጎዳጉዲ ምስ ግብጻውያን
  • ድሕሪ ዝተወሰነ ወርሒ ካብ 7-9 መጋቢት 1876 ኣብ ጉራዕ ሕጂ'ውን ኣንጻር ብቱርኪ ዝድገፉ ግብጻውያን
  • ወርሒ ጥሪ 1887 ኣብ ዶግ ዓሊ [ተድዓሊ] ምስ ጥልያን ዝተገበረ ውግእ። ጥልያን ንፈላማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዘሚታ እንትትስዓር ዝሞቱ ወተሃደራታ ክትዝክር ኣብ ከተማ ሮማ ኣደባባይ ሰይማ'ያ።
  • እዚ "ኣደባባይ ሓሙሽተ ሚኢቲ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣደባባይ ቺንኰ ቼንቶ፡ ኣብ ዶግዓሊ ንዝሞቱ ወተሃደራት ጥልያን ዝዝክር'ዩ
  • 9 መጋቢት 1889 ዓመተ ፈረንጂ ኣንጻር ደርቡሽ ኣብ መተማ። ኣብዚ ውግእ ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ ተሰዊኦም።
  • ናይ መወዳእታ መጋቢት 1896 ኣንጻር ጥልያን ኣብ ዓድዋ ዝተኻየደ ውግእ'ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ብፍላይ ኩሎም ቅድሚ መተማ ዝተገበሩ ውግኣት፡ "ኣሉላ ኣባ ነጋ ከም መራሕን መዋግእን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም መሪሕ ተዋጋኢ ኮይኑ ተሳቲፉ'ዩ። እዚኦም ድማ ምስ ወተሃደራዊ ኣበርክቶ ኣሉላ ኣባ ነጋ ተዛሚዶም ዝንገሩ ዓውደ ውግኣት'ዮም" ይብል።

ጀነራል ኣሉላ፡ ኣብ ኲናት ብዝነበሮ ኣበርክቶ ዝተፈላለዩ መዓርጋት ተዋሂቡዎ'ዩ።

"እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ስልጣን ኣብ ኲናት ዝነበሮ ኣበርክቶ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ መጀመርታ ሻለቃ፣ ባለ ሟል፣ የእልፍኝ ኣገልጋይ ጽንሕ ኢሉ ድማ ራእሲ ዝብሉ መዓርጋት ረኺቡ'ዩ። ደሓር ድማ ፍርቂ ባሻ [ብናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ኢታማጆር ሹም] ዝበሃሉ መዓርጋት በጺሑ" ይብል ኣቶ ሳሙኤል።

ስልቲ ውግእ ራእሲ ኣሉላ

ራእሲ ኣሉላ ካብ መንእስይነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ኮይኑ ዝዓበየ ብምዃኑ፡ መብዛሕትኡ ህይወቱ ምስ ወተሃደራዊ ስራሕትን ምክልኻልን ተተሓሒዙ ዝመጽአ'ዩ ዝብል ኣቶ ሳሙኤል፡ ከባቢኡ ምንባብ ዝኽእልን ኣብ ኲናት ዘድልዩ ነገራት እውን ፈሊጥኻ ኣብ ምእታው ብቕዓት ከም ዝነበሮን'ዩ ታሪኽ ዝነግረና ኢሉ።

"ኣብ ኩሎም ዓውደ ውግኣት'ውን እንተሪኢናዮም ኣሉላ ሒዙዎም ዝነበሩ ስልቲታት ናይ ምክልኻል'ዮም። ከም ኣብነት ኲናት ጎዳጉዲ እንተሪኢና፡ ጸላኢ ኩሉ ዕርዲታት ሒዙ ናይ መጨረሻ ክሕዛ ዝደሊ ዝነበረ ከተማ ዓድዋ'ያ። ናይ ምክልኻል ቅድመ ምድላው ተገይርሉ ስለ ዝነበረ ግን ተሳዒሩ እዩ"።

ቀጺሉ ምሁር ታሪኽ ሳሙኤል፡ "ናይ መተማ'ውን፡ ደርቡሽ ኣትዩ ቤተ ክርስቲያን እንተቃጽል፣ ህዝቢ ምቕታል፣ ስደትን ማህሰይትን ምስ በዝሐ ነዚ ንምክልኻል ዝተገበረ ወፍሪ ኾይኑ፡ ጥልያን ክሳብ ናይ መወዳእታ ኣብ ዓድዋ ዝውቃዕ ዝነበረ ውግእ ናይ ምክልኻል እዩ ተባሂሉ ክግለጽ ኣለዎ" ክብል ይገልጽ።

ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ምስ ራእሲ ሓጎስ ኣብ ተምቤን ኣብ ዝተገበረ ውግእ ተሃሪሙ'ዩ፡ ቅድሚ 122 ዓመት 15 ለካቲት 1897 ዓመተ ፈረንጂ መይቱ።