ኣሜሪካዊ፡ ወዲ 14 ዓመት ቖልዓ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኡ ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ግዝኣት ኣላባማ፡ ኣሜሪካ፡ ወዲ 14 ዓመት ቖልዓ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ከም ዝቐተለ ኣሚኑ ኢሉ።
ኣቡኡ፡ ሰበይቲ ኣቡኡን ኣሕዋቱን ግዳያት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ። ሰለስቲኦም ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እቶም ክልተ ግን ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተው እዮም ዓሪፎም።
ፖሊስ ሽሙ ዘይጸርሖ ቖልዓ ይተሓባበሮ ከም ዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ስለምንታይ ሽጉጥ ተጠቒሙ ጉድኣት ኣብጺሑ ዝብል ግን ጌና ኣይተነጸረን።
እዚ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኢልክሞንት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ እቲ ቖልዓ ካብ መንበሪ ገዛ ስድርኡ ተኹሲ ሰሚዐ ኢሉ ንፖሊስ ከም ዝሓበረን ጸኒሑ ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺመ'የ ከም ዝበለ መርመርቲ ሓቢሮም።
ወዲ 38 ዓመት ኣቡኡ ጆን ሲስክ፣ በዓልቲ ቤቱ ጓል 36 ዓመት ሜሪ ሲስክ፣ ቆልዑ 5፣ 6 ዓመት ከምኡ'ውን ህጻን ሽዱሽተ ወርሕን ግዳያት ዝኾኑ ኣባላት ስድራ'ዮም።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ብሽጉጥ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ልሙድ እናኾነ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ከም ሓበሬታ ሓደ መርበብ ቑጽጽር እዚ ጥቕዓት፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 300 ጥቕዓት በጺሑ።
ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሸውዓተ ሰባት ብሃንደበታዊ ተኹሲ ሞይቶም።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







