ኣሜሪካዊ፡ ወዲ 14 ዓመት ቖልዓ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኡ ቀቲሉ

ኤክስ-ሬይ ሽጉድ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ግዝኣት ኣላባማ፡ ኣሜሪካ፡ ወዲ 14 ዓመት ቖልዓ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ከም ዝቐተለ ኣሚኑ ኢሉ።

ኣቡኡ፡ ሰበይቲ ኣቡኡን ኣሕዋቱን ግዳያት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ። ሰለስቲኦም ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እቶም ክልተ ግን ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተው እዮም ዓሪፎም።

ፖሊስ ሽሙ ዘይጸርሖ ቖልዓ ይተሓባበሮ ከም ዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ስለምንታይ ሽጉጥ ተጠቒሙ ጉድኣት ኣብጺሑ ዝብል ግን ጌና ኣይተነጸረን።

እዚ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኢልክሞንት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ እቲ ቖልዓ ካብ መንበሪ ገዛ ስድርኡ ተኹሲ ሰሚዐ ኢሉ ንፖሊስ ከም ዝሓበረን ጸኒሑ ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺመ'የ ከም ዝበለ መርመርቲ ሓቢሮም።

ወዲ 38 ዓመት ኣቡኡ ጆን ሲስክ፣ በዓልቲ ቤቱ ጓል 36 ዓመት ሜሪ ሲስክ፣ ቆልዑ 5፣ 6 ዓመት ከምኡ'ውን ህጻን ሽዱሽተ ወርሕን ግዳያት ዝኾኑ ኣባላት ስድራ'ዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ኣሜሪካ፡ ብሽጉጥ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ልሙድ እናኾነ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ከም ሓበሬታ ሓደ መርበብ ቑጽጽር እዚ ጥቕዓት፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 300 ጥቕዓት በጺሑ።

ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሸውዓተ ሰባት ብሃንደበታዊ ተኹሲ ሞይቶም።