ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተኣሰሩ ፈላሲ ዝተረኸቡ ሽድሽተ ክላሸን ሕጋዊ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣባ ገብረ ስላሴ ሳሙኤል

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian press Agency/facebook

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋበል ኣብ ዝበሃል ወረዳ፡ ሓለቓ ገዳም 'እነጋትራ ሃና' ብፖሊስ ተቐይዶም።

እቶም ኣባ ገብረስላሴ ሳሙኤል ዝተበሃሉ ፈላሲ [ሓለቓ ገዳም] ምስ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ክቕየዱ ከምዝኸኣሉ ሓላፊ ፀጥታ እቲ ወረዳ፡ ኣይተ ይሄነው ኣበባው ተዛሪቡ።

ኣባ ሳሙኤል፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ናብቲ ገዳም ከም ዝኣተዉ ዘዘኻኸረ እቲ ሓላፊ፡ "ብምኽንያት ተሓራሳይ መሬት፡ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ኣብ ዘይምርድዳእ ፀኒሖም" ኢሉ።

ነበርቲ፡ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ካብቲ ገዳም ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም'ውን ካልእ መንቀሊ ንዓመታት ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ጉዳይ ነዊሕ ዓመታት ከም ዝፀንሐ ንቢቢሲ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣዋበል ኣይተ መንግስቱ ቢጋር፡ "ብስም እቲ ገዳም ዝተትሓዘ መሬት ነይሩ፤ [ነበርቲ ናይቲ ከባቢ] እቲ መሬት ብዘይኣገባብ ዝተወሰደና'ዩ ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም" ኢሉ።

ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳ ኣብ ዝተረኸብሉ ምስ ህዝብን ኣመሓዳሪ እቲ ገዳምን ዘተ ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ እቲ ተሓራሳይ መሬት ካብ ዋንነት እቲ ገዳም ወፂኡ ታቦት ክወፅእ ከሎ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝፍፀመሉ ጥራሕ ክኸውን ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፀሐ'ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ገዳም ዝተቓፀሉ ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian press AgencyFACEBOOK

"ብቕድሚ ትማሊ ናብቲ ምስ ህዝቢ ዘየሳንዮም ናይ ሕርሻ መሬት ወፂኦም ክሓርሱ ፈቲኖም። ህዝቢ ከኣ 'ክሓርሱ ኣይክእሉን፤ ካብዚ ከባቢ'ውን ይውፅኡልና' ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ" ክብል ሓላፊ ፀጥታ ኣይተ ይሄነው የረድእ።

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብቑጠዐ ምስ ወፅኡ ጎንፂ ስለዝተፈጠረ፡ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝቖሰለ'ውን ሓቢሩ።

ኣይተ ይሄነው ከም ዝበሎ፡ ነቲ መንእሰይ ዝወቕዐት ጥይት ካብ ውሽጢ እቲ ገዳም ከም ዝተተኮሰት እምበር መን ከም ዝተኮሰ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

በቲ ጎንፂ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዳም ዝነበሩ ገዛውቲ ብሓዊ ስለ ዝተባርዑን ዝቖሰለ ሰብ ስለዘሎን ኣባ ገብረ ስላሴ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ድማ ገሊፁ።

"[ክቕየዱ ከለዉ] ዝተረኸቡ ሽድሽተ ክላሽን ንሓለዋ እቲ ገዳም ብሕጋዊ መገዲ ካብ መንግስቲ ዝተወሃቡ'ዮም። እቶም ፈላሲ ሓንቲ ዘይሕጋዊት ሽጉጥ ጥራይ'ያ ተረኺባቶም" ኢሉ።

እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ካብ ቁፅፅሮም ወፃኢ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ብወገኑ፡ "ነቲ ህዝቢ ኣረጋጊእና ንዐኦም ምስ ሓዝና ሓንቲ ዘይተመዝገበት ሽጉጥ ጥራይ ረኪብና" ክብል ተዛሪቡ።

እቶም ሓለቓ ገዳም፡ ብምኽንያት ዓሌቶም ግዳይ ፅልኣትን ጠቐነን ይኾኑ ምንባሮም ከም ዝገለፁ ዝሕብሩ መረዳእታታት ብተደጋጋሚ ወፂኦም'ዮም።

ነዚ ብዝምልከት ዘዘራረብናዮ ሓላፊ ፀጥታ ወረዳ ኣዋበል ኣይተ ይሄነው፡ እቲ ጉዳይ ይለዓል ምንባሩ ዘረጋገጸ ኾይኑ፡ ምምሕዳር እቲ ወረዳ 'ካብ ዝኾነ ከባቢ ምምጸኦም ብዘየገድስ፡ ሕጋዊ ኮይኖም ክሳብ ዝቐፀሉ ኣብቲ ከባቢ ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም' ኣብ ዝብል ውሳነ ከም ዝበጽሑ ኣዘኻኺሩ።