ቦቢ ዋይን፡ ንፕሬዝደንት ሙሴቬኒ 'ተላጊጽካሉ' ተባሂሉ ተኸሲሱ

ኡጋንዳዊ ኣባል ባይቶን ፍሉጥ ሙዚቀኛ ፖፕን ቦቢ ወይን፡ ንፕሬዝደንት እታ ሃገር ኣናሺዩ ኣቖጢዑን ዝብል ሓድሽ ኽሲ ተመስሪትሉ።

እዚ ክሲ ኣብ ልዕሊ ቦቢ ዋይን ቅድም ኢሉ ኣብ ዝቐረበ ተወሳኺ ኾይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሰሜን ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሩዋ፡ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝገብረሉ እዋን፡ ቦቢ ደገፍቱ ብምጽዋዕ ነቲ ፕሬዝደንት ንምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ መኪንኡ ኣእማን ደርብዮም ተባሂሉ ተታሒዙ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ሙዚቀኛን ተቓዋሚ ኣባል ባይቶን ግን ነዞም ኽሲታት ይነጽጎም። በዚ ገበነኛ ኾይኑ እንተተረኺቡ ግን፡ ንሕልፈት ክፍረድ ከም ዝኽእል ይዝረብ።

እዚ ወዲ 37 ዓመት ሙዚቀኛ ንኽልተ ዓመት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ብምጽናሕ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሕን ዴሞክራስን ብምድራፍ ንነብሱ 'ሻምፒዮና' ድኻታት ገይሩ'ዩ ዝቖጽር።

ዋይንን ብዙሓት ደገፍቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ከም ዝተሳቐዩ'ኳ እንተገለጹ፡ ሰበ ስልጣን ግን እዚ ኣይቕበሉዎን።

ሮበርት ኪያጉላኒይ ትኽክለኛ ሽም ቦቢ ዋይን ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ሞባይልን ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ግብሪ ዝድንግግ ሕግን ብምቅዋሙ፡ ኣብ ካልእ ቤት ፍርዲ ኽሲ ቐሪቡ'ዩ።

ዋይን ግን፡ እቶም ዝቐርብሉ ኽስታት ፕሬዝደንት ናይ ምኻን ሕልሙ ንምትእጉጓል ዝዓለሙ ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎም'ዮም ክብል ይገልጾም።

ቦቢ ዋይን፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝጸንሐ ፕሬዝረደንት ሜሴቬኒ ዝቃወም ሰብ ኮይኑ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ ምርጫ ተወዳዳሪ ኮይኑ ከም ዝቐርብ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኡጋንዳ ድኹም ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘለዋ ኮይና፡ ከም ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተርስ፡ ፕሬዝደንት ሜሴቬኒ "ነቐፌታ ዘይጻወር" ሰብ'ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ስቴላ ንያንዚ ዝተብሃለት ምህርቲ ነቲ ፕሬዝደንትን ኣዲኡን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ብምዝላፋ ን18 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ'ያ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ዝነበረት ስቴላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብግጥምን ካልእን፡ ነቲ ፕሬዝደንት ዝቃወሙ ጽሑፋት ብምልጣፍ'ያ ትፍለጥ።

ሓድሽ ክሲ ዋይን ድማ፡ ንዕኡ መቕርቡን ነቲ ፕሬዝደንት ዝነቅፍን ዝነበረ ሙዚቀኛ ዚጊ ዋይን ድሕሪ ምማቱ ዝተመስረተ'ዩ።

ዚጊ ዋይን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ዝበጽሖ መግረፍቲ ከም ዝሞተ እንትገለጽ፡ ፖሊስ ምጽራይ ምጅማሮም ገሊጾም።

ፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ፕሬዝደንት ቅድሚ ምኻኑ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተወለደ ቦቢ ዋይን፡ ዝሰርሖም ሙዚቃታት፡ "መሃርትን ኣዘናጋዕትን" ክብል ይገልጾም።