ኣባል ቤት ምኽርን ሙዚቀኛን ቦቢዋይን ዳግም ተኣሲሩ

ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ዓይንን ሓመድን ዝኾነ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ሃገርን ሙዚቀኛን ቦቢ ዋይን፡ ቀልቢ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ብምስሓብ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተፈቲሑ እኳ እንተነበረ፡ ዳግም ተኣሲሩ።

ቦቢ ዋይን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ እንትኸውን፡ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂብዎ ብዋሕስ ተፈቲሑ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ቦቢ ዋይን ትማሊ ምሸት እንደገና ከምዝተኣሰረ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጠበቓ ሮበርት ኣምስተርዳም ከምዝተዛረብዎ፡ ''ዋላ እኳ ዳኛ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ቦቢ ዋይን ፓስፖርቱ ንክሕዝን ካብ ሃገር እንተወፅአ'ውን ጉድኣት ከምዘይበፅሖ ገሊፆም'ኳ እንተነበሩ፡ ንሕክምና ናብ ወፃኢ ሃገር ክኸይድ ኣብ መንገዲ ኣየር ተታሒዙ" ክብል ገሊፆም።

ካብዚ ብተዋሳኺ፡ "እናዳፍኡ፡ ናብ ናይ ፖሊስ መኪና ኣእትዮሞ፤ ናበይ ከምዝወሰድዎ እውን ኣይንፈልጥን'' ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ቦቢ ዋይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ብምርኩስ ተደጊፉ እንትኸይድ ተራእዩ ነይሩ።

ቦቢ ዋይን፡ ኣብ ፖሊስ ጣብያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሓለውቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዝተሳቐየ፡ መሻርኽቱ ይዛረቡ።

ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ግና፤ እዚ መሰረት ዘይብሉ መፀልምታ ክብል ነፂግዎ።

ቦቢ ዋይን መን እዩ?

'ኣፍ ሮቢት' ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተሃለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቖፂሮም።

ምስ ሙዚቃ ዝነበሮ ህይወት ብምግዳፍ፡ ናብ ህዝባዊ ፖለቲካ ምስተፀንበረ እውን፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ካብ ዝምረፅ፡ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ፀኒሑ እዩ።

ልዕሊ 75 ዓመት ዝኾኖ ውልቀ ሰብ ንፕረዚደንትነት ንከይምረፅ ዝኽልክል ሕገ-መንግስቲ እታ ኡጋንዳ፡ ንከይትንከፍ ተቓሊሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣይተሳኽዐሉን።

መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሚድያታት ቀረፅ ንክኸፍሉ ንዘውፅኦ ሕጊ እውን ብትረት ክቃወሞ ፀኒሑ እዩ።