እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ያቆብ ተወልደ፡ "ሃገራዊ ኣግልግሎት ንበይኑ ጠንቒ ስደት ክኸውን ኣይክእልን'ዩ"
ዶክተር ያቆብ ተወልደ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዲግሪ ተማሂሩ፡ ንኻልኣይ ዲግሪ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቕኒዑ ሳይኮሎጂን ስታስቲክስን ኣጽኒዑ።
ቀጺሉ ብሳይኮሎጂ ብማዕረግ ዶክትሬት ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፔንሲልቭንያ ኣመሪካ፡ ኣማኻሪ ስነ ኣእምሮ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ዶክተር ያቆብ፡ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ብምስራሕ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናኸደ ድማ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ንዘጓነፎም ስደተኛታት ሞያዊ ኣስተምህሮ ይህብ። ዶክተር ያቆብ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ቃለ መሕተት ገይሩ'ሎ።
ቢቢሲ ፦ ስደት ዘኸትሎ ስነ እእምሮኣዊ ነውጺ ብዝብል መጽናዕቲ ኣካይድካ ነይርካ'ሞ ውጽኢት መጽናዕትካ ከመይ ነይሩ?
ዶክተር ያቆብ፡- ኣብ ዝሓለፈ 2014 ከምኡ'ውን 2015 ክንሪኦ እንከለና ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ክስራዕ ጀሚሩ።
ብኡ መጠን ከኣ ጉዕዞ ስደት ኤርትራውያን ክረአ እንከሎ፡ ብዙሕ ማሕለኻታት ዘለዎ እዩ። ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ኣትሒዞም፡ ብሱዳን፣ በረኻ ሰሃራ፣ ሊብያ፡ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትው እንከለው ማእለያ ዘይብሉ ሽግራት'ዮም ዘሕልፉ።
ካብኡ ተበጊሰ፡ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ፍትሑን ከመይ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ሕቶ መጽናዕቲ ክገብር ፈቲነ።
እዞም ስደተኛታት እዚኦም ነዚ ኹሉ ሽግራት ክብድሁ ዝሕግዞም እንታይ እዩ? ናይ ብሓቂ ንክብድህዎ ዝሕግዞም ነገራትከ ኣሎ ድዩ? ኣብ ዝብል ቁንጭል ኣቢለ ጥራይ እየ ክሕብር። ዝበዝሑ ኣብቲ ናተይ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝለዓለ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ዘለዎም እየ ክርዳእ ክኢለ።
ብፍላይ ከኣ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ስንባደ [post trauma stress disorder]፣ ጭንቀት [anxiety] ከምኡ'ውን ስነ ኣእምራአዊ ትካዘ [depression] ዝለዓለ ጸገማት ከም ዘለዎም እዩ እቲ መጽናዕቲ ዘርኢ።
ካብ 320 ተሳተፍቲ፡ ነብሲ ወከፍ ክልተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ስነ ኣእምሮኣዊ ስንባደ ኣለዎም። እዚ ማለት ግን ሓደ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ስንባደ ስለ ዘለዎ ጽሉል'ዩ ማለት ኣይኮነን። ግን እቲ ጸገማት እዚ፡ ኣብ ሂወት ናይቲ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ብኣግኡ ክእለ ዘለዎ እዩ።
78 ምኢታዊት ካብዞም ተሳተፍቲ ጭንቀት ከም ዘለዎምን ብእኡ ከም ዝሽገሩን ይሕብር። 87 ምኢታዊት ድማ ምልክታት ስነ ኣእምሮኣዊ ትካዘ ከም ዘለዎም የርኢ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ዝተገበረ እዩ። እቲ ኣብ ስደት ዝጸንሕሉ እዋን ከኣ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት እዩ።
ቢቢሲ፦ ጠንቅታት እዞም ጸገማት እንታይ'ዮም?
ዶክተር ያቆብ፡ እቲ ጠንቅታትተ ብዙሕ ክኽውን ይኽእል እዩ። እቲ ኩነታት ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ምስዚ ቀጻሊ ኣብ ባሕሪ፣ ሰሃራ ይኹን ሊብያ ዘጋጥም ኣሰቃቒ ክስተታትን ሓደጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ቁጽሪ ኣገራሚ ኣይኮነን-እንጽበዮ ነገር'ዩ።
በቲ ሓደ ወገን ክትርእዮ እንከለኻ ከኣ ማዕረ ክንድዚ ብዝሒ ዝሽገር ሰብ ክህሉ እንከሎ ኣዝዩ ኣሰንባዲ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ውልቀ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሽግራት እንተልዩ፡ ኣብ ሓዳር፣ ማሕበራዊ ህይወት፣ ትምህርትን ካልእ ንጥፈታቶምን ዝህልዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን።
ተሰዲድካ ኣብ ትደልዮ ሃገር ስለ ዝኣተኻ ሽግርካ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ሽግር ከም ባልጃ ምስኦም ኣብ ውሽጦም ተሸኪምም'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኣብ ዘይትፈልጦ ቦታን ሕብረተሰብን ምስ ምህላውካ ከኣ'ዩ ነቲ ሽግር የብእሶ'ዩ።
ቢቢሲ፦እዞም ስነልቦናዊ ጸገማት፡ ኣብ መገዲ ስደት እንከለዉ ብዝጋጥሞም ሽግራት ድዩ?
ዶክተር ያቆብ፡- እዚ ሕቶ ኣብ ኤርትራውያን አእቲኻ ክትርእዮ እንከለኻ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕቶ'ዩ። ነዚ ንኽንርዳእ ከኣ ብሰለስተ መገድታት ክንርዮ ኣለና።
ኣብ ኤርትራ እንከለዉ [ቅድሚ ስደት]፣ ኣብ እዋን ስደት ዘጋጥሞም ሽግር፣ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝደልይዎ ዓዲ ምስ በጽሑ ዘጋጥሞም ነገራትን ኢልና ክንፈላልዮ ኣለና።
እቲ ኣብ መገዲ ዘጓንፍን ድሕሪ ስደት ዘጓንፍን ብቐሊሉ ከተጽንዖ ስለ እትኽእል ክትርድኦ ብዙሕ ከቢድ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኪ ፖለቲካ ይኹን ካልእ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ጸቕጥታት ግን መጽናዕትታት ክግብር ስለ ዘይከኣል ኣፍልጦና ድሩት እዩ።
ቢቢሲ፦ኣተዓባብያኸ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ዶክተር ያቆብ፡- ኣተዓባብያና ብዙሕ ጽልዋ ኣለዎ፤ ጽልውኡ ግን፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፣ ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይኽእል እዩ።
እንድሕር ሓንቲ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ብኵናት ተረሚሳ፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ፣ ዓመጽን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሽግራትን ኣብታ ሃገር እንተሃልዩ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንኹነታት ናይቲ ህዝቢ ይጸልዎ እዩ።
ናይ ኤርትራውያን ክንርእዮ እንከለና፡ እዚ ህዝቢ ብተወራራሲ ስንባደ (generational trauma) ክጥቃዕ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ እዩ። ብመግዛእትን ካልእ ፖለቲካውን ተፈጥሮኣውን ሽግራትን፡ ንወሎዶታት ክጥቃዕ ዝጸንሐ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ብዙሕ ጽልዋ'ዩ ዘለዎ።
ዝበዝሕ ኣካይዳ ኤርትራዊ፡ ህይወቱ ንምድሓንን ንስረትን እዩ። ኣብዚ ኣካይዳ ናይታ ሃገር'ውን ጽልዋ ኣለዎ።
ቢቢሲ፡ ቆልዓ ብኸመይ ምስ ዝዓቢ'ዩ እቲ ዝድለ እወንታዊ ውጽኢት ዝህብ?
ዶክተር ያቆብ፡- ጨቆንቲ (Authoritarian)፡ ዝበሃሉ ንደቆም ብጭቆና ዝሕዙ ወለዲ ኣለው። እዚኦም ጽኑዕ ሕግን ምቁጽጻርን ዘለዎም እዮም።
ደቆም ሕጊ ምስ ዝጥሕሱ ከቢድ ዝኾነ መቕጻዕትን ማህሰይትን ዘውርዱ ወለዲ እዮም። ብኸምዚ ኣተሓሕዛ ዝዓብዩ ቆልዑ ከኣ መንጸርጸርቲ፣ ሓራቓትን ጠባዮም ዘይፍሉጥን እዮም። ክእለት ኣዘራርባ ዘይብሎም፡ ዘይሕጉሳትን ቁሑራትን እዮም ዝኾኑ።
ስልቹዋት ወይ ዘይግዱዳት (Permissive or Indulgent) ወለዲ ከኣ ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ወለዲ ምስ ደቆም ድሩት ዝኾነ ናይ ርክብ ግዜ እዩ ዘለዎም።
ንደቆም ከኣ 'ጌም' ይኹን ካልእ ነገራት ንክጻወቱ ዝሓድግዎም ወለዲ እዮም። ካብ ከምዚኦም ዓይነት ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት ከኣ ሓፈሻዊ ሕግታት ይኹን መምሪሒታት ኣብ ምኽታል ልሕሉሓት ኮይኖም፡ ቀጻሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ማሕበራዊ ሂወት ዘይንቡር ጠባያት እዮም ዘርእዩ።
መሐንቀቕቲ (Uninvolved) ዝኾኑ ወለዲ'ውን ኣለዉ። እዞም ወለዲ እዚኦም ደቆም ዝበልዎም ዝገብሩ ምሒር ፈቃራትን ምስ ደቆም ምሉእ ግዚኦም ዘሕልፉ ወለዲ እዮም። ብኣንጻሩ ግን ኣብ ደቆም ሕግን ቀይድን ዘይብሎም እዮም።
ካብ ከምዚኦም ዓይነት ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት ከኣ ኣብ ፈጠራን ኣብ ኣረኣእያን በላሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ግን ዕቡያትን፡ ክቱር ነብሰ ምልዓል ዘለዎም ታዕነን በሃልቲ እዮም ዝኾኑ። ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ርክባት ከኣ ክወስዱ'ምበር ክህቡ ዘይደልዮ ህጻናት እዮም ዝኾኑ።
ርትዓውያን ወለዲ (Authoritative) ንብሎም ከኣ፡ እቲ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት ኣተዓባብያ ኮይኑ፡ እዞም ወለዲ ምስ ደቆም እኩል ዝኾነ ግዜ ዘሕልፉ፡ እኹል ሓልዮት ዝልግሱን ኮይኖም ማዕሪኡ ከኣ ጽኑዕ ዝኾነ ምቁጽጻር ዝኽተሉ ወለዲ እዮም።
እቲ መቆጻጸሪ ሕጊ ከኣ፡ ምስ ደቆም ተመያይጦም'ዮም ዝነድፍዎ። ብኸምዚ ዓይነት ዝዓበየ ቆልዓ ከኣ ነብሰ ምትእምማንን ክእለት ኣዘረርባን ዘለዎ ንመሪሕነት ብቑዕ ይኸውን።
ቢቢሲ፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣየናይ ኣገባብ እዩ ዝጥቀም?
ዶክተር ያቆብ፡ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓይነት ኣተዓባብያ ክንርኦ እንከለና ተራ ናይ ባህሊ ከኣ ናቱ ግደ ኣለዎ።
ንኣብነት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ቆልዓ እንተበዲሉ ክትሃርሞ ንቡር እዩ። እቲ ቆልዓ'ውን ንቡር ገይሩ እዩ ዝወስዶ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝዓበየ ብተመሳሳሊ ኣገባብ እንተተቐጺዑ ግን ዝተፈለየ መልክዕ እዩ ዝህልዎ።
ንቆልዓ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ኣይትዛረብ እዩ ዝብሃል በዚ መልክዕ ክንሪኦ እንከለና ኣብ ርእሰ ምርእማማን ድሩት እዩ ዝኸውን። ብኸምዚ ዝዓበየ ከኣ ካብ ኤርትራ ወጺኡ፡ ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ምስ ተጸንበረ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞ።
ኣብ ኤርትራ ግጉይ ኣተዓባብያ ቆልዑ'ዩ ዘሎ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን። ዝበዝሑ ግን ምስቶም ጨቆንቲ ወለዲ እዮም ክስርዑ ዝኽእሉ። ሃገር፣ ባህሊ ብዘየገድስ ግን እቶም ርትዓውያን ወለዲ ዘፍርይዎም ውሉዳት እዮም እቶም ዝበለጹ ክንብል ንኽእል።
ቢቢሲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝጅምር 25 ዓመት መሊእዎ ኣሎ። ብቡዙሓት ሸነኻት ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ፤ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ድዩ?
ዶክተር ያቆብ፡- ኣብዚ ሕቶ እዚ ከም ክኢላ ስነ ኣእምሮ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርከሰ ርእይቶ ክህብ'የ ዝደሊ። ክሳብ እዛ ስዓት እዚኣ ከኣ ኣነ ዝፈልጦ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት ድዩ ኣብ ዝብል ዝተገበረ መጽናዕቲ የለን።
ስለዚ፡ 'እወ ወይ ኣይፋል' ኢለ ክምልስ ኣይደፍርን። ግን ሓፈሻዊ ክንሪኦ እንከለና፡ ዝኾነ ይኹን ኣብ ውትህድርና ዝተሳተፈ ሰብ ንስነ ኣእምሮኣዊ ሽግራት ናይ ምቅላዕ ተኽእልኡ ዝለዓለ'ዩ።
ንኣብነት፡ ኣነ ካብዞም መጽናዕቲ ዘካየድኩሎም እቶም 85-ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ሲሶ፡ ኵናት ዝረኣዩ እዮም።
30 ሚእታዊት ዝተኣሰሩ፣ 40 ምኢታዊት ከኣ ኣብ ሰራዊት እንከለዉ ክኸውን ይኽእል ወይ'ውን ሲቪል እንከለዉ ተዅሲ ርእዮም ዝፈልጡ እዮም።
ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ፡ ኣብ ስደት ማእለያ ዘይብሉ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሽግራት'ዩ ዘጋጥሞ። ብሓፈሻ እቲ ጠንቂ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ፡ ወይ ስደት እዩ ክንብል ግን ፍትሓዊ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እዚ ሰብ'ዚ ወላዲ፡ ሓዉ፡ ሓፍቲ፡ ኣቦ፡ ሓው ወዘተ እዩ ነይሩ።
ስለዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንበይኑ ጠንቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሓፈሻዊ መግዛእትን ውትህድርናን ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ውልቀ ሰብ ኣሉታዊ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘለዎ ግን ዝከሓድ ኣይኮነን።
እዚ ኩሉ ግን ኣብ ኣረኣእያ እዩ ዝምርኮስ። ንኣገልግሎት ከም ጭንቀት እንተሪእየዮ ጭንቀት እዩ ዝኾነኒ፣ ከም ሽግር እንተሪአዮ ከኣ ሽግር እዩ ዝኾነኒ።
ክልተ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልገሎት ብሓደ ዘገልገሉ፣ ብሓደ ኣብ ኵናት ውዒሎም ጽቡቕን ሕማቕን ዝረኣዩ፣ ብሰንኪ ኣረኣእየኦም ዝተፈላለዩ ኩነተ ኣእምሮ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ቢቢሲ፦ ስደት ካብቲ ዝነበርካሉ ሕብረተሰብን ከባብን ተሰዲድካ ኣብ ካልእ ሕብረተሰብን ቦታን ምንባር ማለት ካብ ኮነ፡ እዚኸ ናብ ትካዘ ጭንቐትን ስንባደን ከምርሓና ይክእል'ዶ?
ዶክተር ያቆብ፡- ኣካል እዚ መጽናዕቲ ዝኾነ፡ ኣብ ኣውሮፓ፣ ኣብ እስራኤል፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ካልእን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጽናዕቲ ነካይድ ኣለና። ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ጽልዋ ከም ዘለዎ እየ ክርዳእ ክኢለ።
ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ፡ ዝኾነ ስደተኛ ብዙሕ ሽግር ሓሊፉ እዩ ናብታ ተሰዲዱ ዝነብረላ ሃገር ዝኣቱ። ስለዚ እቲ ጽልዋ ኣሉታዊ ክኸውን ግድን እዩ።
ናይ ኤርትራውያን ክንርእዮ እንከለና ከኣ ተወሳኺ ሮቋሒታት ኣለዎ፤ እቲ ዝሓለፍዎ ሽግራት ክገልጹልካ እንከለዉ፡ እምበር'ዶ ናይ ብሓቂ እዩ? ክሳብ ምባል ኢኻ ትበጽሕ። ከመይ ኢሎምከ ተጻዊረሞ ኢልካ ትሓስብ።
በዚ ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ዝሓለፈ ሰብ ከኣ ጭንቐት፣ ትካዘን ስንባደን ከማዕብል ትጽበዮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ስምዒቶም ኣብ ምቁጽጻር ድሩታት ክኾኑ ኢኻ ትርኢ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሓድሕዶም ክበኣሱ ይረኣዩ፤ እዚ ባህሪ ካብ ምእታይ'ዩ ዝነቕል?
ዶክተር ያቆብ፡ እቲ ዝሓለፍዎ ሽግራት ነዚ ዘለዎም ባህሪ ንኽሕዙ ልዑል ዝኾነ ተራ ኣለዎ። ንኣብነት እቶም ቀደም ናብ ስደት ዝኣተዉ ዓበይቲ፡ እዞም መንሰያት ዝሓለፍዎ ሽግራት ኣብ ግምት ከየእተዉ፡ እዞም ቆልዑት ጸጊቦም'ዮም ይብሉዎም።
እዞም መንእሰያት እዚኦም ብንኣሽትኦም እዮም ካብ ሃገር ወጺኦም። እቲ ኣብ ትምህርትን ምስ ወለዶምን ከሕልፍዎ ዝግበኦም ዕድመ፡ ካብ መሓዙቶምን ካብ ከባቢኦም ክምሃርሉ ዝግበኦም ማሕበራዊ ሜላ ኣብ ስደት እዮም ዘሕልፍዎ ዘለዉ።
እቲ ኩሉ ኣብ መንገዶም ዝረኣይዎ ሞት፣ ጥምየትን ካልእ ኩፉእ ነገርን፡ ንዘጋጥሞም ጭንቀት ብባእሲ ክፈትሑዎ ይደፋፍኦም።
ካብቶም ጭንቀት፣ ትካዘን ስንባደን ዘለዎም፡ እቶም ዝበዝሑ ትምህርቶም ካልኣይ ጀረጃን ትሕቲኡን እዮም። እቶም ልዕሊኡ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ከኣ በዚ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎኦም ትሑት'ዩ።
እዞም መንሰያት እዚኦም ከኣ እቲ ክመሃርሉ ዝግበኦም ግዜ ኣብ ከርትት እዮም የሕሊፎሞ። ሽግር ኣብ ዘጓንፈካ እዋን ካብ ወለዲ ይኹን ካብ የዕሩኽ ምኽሪ ክትሓትት እዩ እቲ ግቡእ።
እዞም ሰባት እዚም ግን ኣብ ኣውሮጳ ምስ ኣተዉ'ውን ዝበዝሑ ኣብ ርሑቕ ገጠራት እዮም ዝሰዱዎም። እቲ ኣብ ኤርትራ እንከለዉ ዝለመድዎ ማሕበራዊ ኣነባብራ ኣብኡ ስለ ዝስእንዎ ከኣ ተወሳኺ ጭንቀት ይኾኖም።
'ጅምዕ' ኢልና ክንዛረብ እንከለና፡ ዓቢ ተራ እዩ ዘለዎ። እዞም ሰባት ሓገዝተይ፣ ወገነይ፣ ደገፍተይ ኢልካ ኢኻ ትገልጾም ዘለኻ፡ ካብዞም 'ጀምዓይ' ዝብሎም ክግለል እንከሎ ግን ብዙሕ ነገር እዩ ዝጎድሎ።
ቢቢሲ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎ ሰብ ብኸመይ ኢና ክንሕዞ ዘለና?
ዶክተር ያቆብ፡- ብኣግኡ እንተተፈሊጡ ብቀሊሉ ክፍታሕ ዝኽልእ ነገር እዩ፤ ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ብስነ ኣእምሮኣዊ ሽግራት ምስ ዝጥቃዕ ሕብኣዮ ሕብኣዮ እዩ ዝብሃል። ብዛዕባ እቲ ሕማም'ውን ኣይነዕልልን ኢና፤ ሓባኢ ቁስሉ ከኣ ሓባኢ ፈውሲ እዩ።
ስፖርት ናይ ምግባር ባህሪ ምስ እነጥሪ ብስነ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎና ይውሕድ እዩ።
ካልእ ደቅና ከነዕቢ እንከለና፡ ብኸመይ ኣገባብ ኢና ከነዕብዮም ዘለና ክንፈልጥ ኣለና። ሕብረተሰብና ጽቡቕ ዝኾነ ክብርታት ኣለዎ። ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሽግራት ክንመጽእ እንከለና ግን ቀጻዕን ነጻልን እዩ።
ዋላ ኣብ መንሰያት ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ቋንቋ እንተኣስተብሂልናሉ ሓደ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሽግራት እንተኣጋጢምዎ 'ከይዳቶ እንድያ፡ ሎቕዊሱ እንድዩ ፋሕ ኢላቶ እንድያ' ኢና ንብል፡ እዚ ከኣ እቲ ሰብ ሓገዝን ምኽርን ንኽሓትት ኣየተተባብዖን እዩ።
ሓደ ሰብ እንድሕር ሓሚሙ፡ ሕብረተሰብና፡ ባናና ሒዝና ዲና ኣራንሺ ኮታስ ከከም ዓቕምና ሒዝና ኢና ንጓየ። ስነ ኣእምሮኣዊ ሽግራት እንተኣጓኒፈዎ ግን ንሃድም ኢና። ነቲ ግዳይ ከኣ ናብ ዝኸፈአ ጭንቀት ንሸሞ።