ኢልሃን ኦማር፡ "ንኤርትራውያን ክትጥርዝ ምውጣን፡ ሕልና ዘይብሉ ተግባር'ዩ"

ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክጥርዝ ምውጣኑ፡ ሕልና ዘይብሉ ተግባር'ዩ ክትብል ትውልደ ሶማልያዊት ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ኢልሃን ኦማር ነቒፋ።

ንሳ ወሲኻ እቲ ተግባር ንመብዛሕትኦም ናብ ሓደጋ ሞት ዘሳጥሕ ውጥን ምዃኑ ኣብ ትዊተር ብጽሑፍ ገሊጻ።

ኢልሃን፡ ምስ ሸውዓተ ኣቦመንበር ዝተፈላላዩ ኮሚቴታት ዝርከብዎም፡ 43 ኣባላት ኮንግረስን ብምዃን: ኣብቲ ውጥን ዝያዳ መብርሂ ክወሃብ ምሕታታ ኣፍሊጣ።

እቲ ናብ ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኬቨን ማክኣለናን ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ኣሜሪካ ክጥረዙ ተወጢኑሎም ዘሎ ኤርትራውያን ግሉጽነት ክህሉን ሓበሬታ ክወሃብን ይጠልብ።

ሓደ ነቲ ርእይቶ ዘይደገፈ ተጠቃሚ ትዊተር ኣብ ዝሃባ ምላሽ ግና፡ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ሰባት ሕትኦም ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ንኤርትራን ኤርትራውያንን ግዳይ ንምግባርን ብዝህብዋ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ከይትጋገይ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 2017፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ 700 ኤርትራውያን ካብ ኣሜሪካ ንምስጓግ ናይ መወዳእታ ውሳነ ይጽበዩ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ ብድሕሪኡ ብዛዕብኦም ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይተዋህበ እቲ ደብዳበ ይሕብር።

ኤርትራ መወዳእታ ብዘይብሉ ማእሰርትን ስቅያትን ከምኡውን ምስኣን ሓፈሻዊ ናጽነት ምንቅስቓስን ምዝራብን ኣብ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከም እትርከብ ድማ ይገልጽ።

እቲ ደብዳበ ወሲኹ፡ ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም እንተጸንሑ ባርነት፡ ካብ ሃገሮም እንተወጹ ድማ ሞት ከም ዝገጥሞም ብምግላጽ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክንደይ ኤርትራውያን ከም ዝተጠረዙን ንድሕነቶም እቲ ምምሕዳር ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዝርዝር ክግለጽ ይጠልብ።

ኣብ 2018 ዘርእሰናይ ኤርምያስ ዝተብሃለ ኤርትራዊ ካብ ኣሜሪካ ተጠሪዙ ናብ ኤርትራ ኣብ ዘምርሓሉ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካይሮ ነፍሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ብምዝኽኻር ድማ "ነቶም ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ኤርትራውያን፡ ናብ ማእሰርቲ ስቅያትን ሞትን ኣብ ኤርትራ እንመልስ እንኮ ዴሞክራሲ ክንከውን የብልናን" ይብል።

ሶማላያዊት ኢልሃን ኦማር እትርከቦም ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኤርትራ በጺሖም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ሰበስልጣን ኤርትራን ተራኺቦም ምንባሮም ይዝከር።