200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ሓሽሽ ዝጸዓነት መኪና ምስ ፖሊስ ብምግጫዋ ተቓሊዓ

ዝተገጨወት ናይ ፖሊስ መኪና

ምንጪ ስእሊ, NSW POLICE

መግለጺ ስእሊ, ሓሺሽ ዝጸዓነት መኪና ምስ ደው ዝበለት ናይ ፖሊስ መኪና ተጋጭያ

ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ከባቢ መደበር ፖሊስ ደው ኢላ ንዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ገጭዩ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይድ ምስ ኣተወ፡ 200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ሓሽሽ ኣብታ መኪና ጽዒኑ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት መራሕ መኪና፡ ክሃድም እኳ እንተፈተነ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሲድደኒ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እታ መኪና ምስ ተፈተሸት ድማ 273 ኪሎግራም፡ 'ሜት' ዝበሃል ዕጸፋርስ ተረኺቡ።

በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ፡ እታ ናይ ፖሊስ መኪና ግና ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዳ፡ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

'ሜት' ኣብ ኣውስትራልያውያን ኣዝዩ ዝውቱር ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ እዩ። ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ድማ፡ ዝተወደቡ ገበነኛ ጉጅለታት ኣብ ንግዲ እቲ ዕጸፋርስ ክሳተፉ ሰሓቢ ኮይኑ ምህላው ይግለጽ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ስሙ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ ምቕራብ ሓሽሽን ብሸለልትነት መኪና ምምራሕን ዝብሉ ክስታት ተመስሪቶምሉ ኣለው።