ኣሜሪካ፡ ንመራሒ ኢራን ዕላማ ዝገበረ ሓደሽ እገዳ ኣንቢራ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዲሽ እገዳ ከም ዘንበረት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
እዚ እግዳ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ዝኾነ ኣያቱላህ ዓሊ ክሃምኒ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ'ውን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓቢሩ።
እዚ እገዳ፡ ነታ ብሓይልታት ኢራን ዝተሃርመት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኢራንን 'ካልእ ብዙሕ ነገራትን' ግብረ መልሲ ንምሃብ ይግበር ከም ዘሎ'ውን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።
ላዕልዋይ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ክሃምኒ ዕላማ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዘሎ 'ጻሕታሪ ተግባራት' ቀንዲ ተሓታቲ ንሱ ስለዝኾነ እዩ ኢሉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ።
ሚኒስተር ጉዳይት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፡ ነዚ ኣሜሪካ ዝወሰነቶ ሓዲሽ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተሩ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "ጽምኢ ኵናት" ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ደይቡ ይርከብ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ብቢልዮናት ዶላር ኣብ ዝግመት ንብረት ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ቅድሚ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብሓይልታት ኢራን ምውዳቓ ጀሚሩ ክስረሓሉ ምንባሩ ሓላፊ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ሰቲቭ ምኑችን ገሊጹ ነይሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ምፍሕፋሕ፡ ክረግእን ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክፍታሕን ጸዊዑ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







