እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡበር፡ ዝበራ ታኽሲ ንምጅማር ምድላዋቱ ኣጻፊፉ
ኣገልግሎት መጓዓዝያ 'ኡበር' ኣብ ኣውስትራልያ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ዝበራ ታክሲ ከም ዘታኣታቱ ሓቢሩ።
እዚ ኩባንያ፡ ኣገልግሎት ዝበራ ታኽሲ ንምሃብ ንፈተነ ንከተማታት ዳላስ፣ ሎስ ኣንጅለስን ኣውስትራልያዊት ከተማ ሜልቦርንን ሓርዩውን ኣሎ።
እዚ ትካል ነዚ ፈተነ ኣብ 2020 ከም ዝጅምሮ ብምሕባር፡ ካብ 2023 ጅሚሩ ግቡእ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ኩባንያታት ዝበራ ታክሲ ንምጅማር መደብ ከም ዘለወን ብምሕባር፡ ኡበር ብዝበራ ታክስታት ዝወሃብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ካብ ብጻዕቒ ትራፊክ ዘጋጥም ምድንጓያት ከናግፍ ከም ዝኽእል እዩ ዝሕብር።
ሓላፊ ኣቪየሽን ትካል ኡበር፡ ካብ ማእከል ከተማ ሜልቦርን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ 19 ኪሎ ሜተትሮ ኮይኑ ብመኪና ሓደ ሰዓት ዝወስድ ዝነበረ በዘን ዝበራ ታክሲ ትሕቲ 10 ደቒቕ ጥራይ ከም ዝወስድ ይሕብር።
ኡበር ምስ ትካል ናሳን ምክልኻል ኣሜሪካን ብምኻን ነዘን ዝበራ ታኽሲ የማዕብል ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።