እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይ ዘዋሪ ብሰማይ ኣብ ዝጓዓዛ ታክሲ ምተሳፈርኩም'ዶ?
ትካላት ቴክኖሎጂ ብሰብ ዝዝወራ ወይ ድማ ሰብ ኣልቦ ብሰማይ ዝጓዓዛ ታክሲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ይሸባሸቡ ኣለዉ። ክንደየናይ ይሳኽዐሎም ይኾን? ንሶም ኸ ናይ ሰማይ ታክሲ ኣሚኖም ይሳፈሩ ዶ ?
ዱባይ ድማ ናይ ሰማይ ታክስታት ብምጥቃም ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ንምዃን እናሰርሐት እያ።
ቮሎኮፕተር ዝተብሃለ ትካል ጀርመን ክልተ ሰባት ክተሳፍር ትኽእል ብሰማይ ትኸይድ ታክሲ ንክሰርሕ 25 ሚልየን ዩሮ ካብ ሰብ ሃፍቲ ረኺቡ ።
ከም ሓበሬታ እቲ ትካል እዛ ታክሲ ኣብ ሓደ ሰዓት 100 ኪሎ ሜትር ትጓዓዝ እንትትኸውን፡ ኣብ ሰማይ ድማ ን30 ደቓይቕ ምፅናሕ ትኽእል። ነዚ ዝሕግዝ 9 ባትርታት ድማ ተገጢሙላ እዩ።
" ሓደጋ እንተጋጥም ካብ ሓደጋ ዘድሕን ፓራሹት ኣድላይ ኣይኮነን" ብምባል ውሕስና ይህብ ትካል ቮሎኮፕተር።
ካብዚ ብተወሳኺ በዓል መዚ መንገድን መጓዓዝያን ዱባይ ምስ ቻይናዊ ትካል ኤሃንግ ብምዃን፡ ሓደ ሰብ ጥራሕ ክተጓዕዝ ትኽእል ኤሃንግ 184 ዝተብሃለት ንእሽተይ ሰብ ኣልባ ነፋሪት ኣብ ምፍታን ይርከብ።
በዚ ድማ ዱባይ ብሰማይ ዝጓዓዛ ሰብ ኣልባ ታክሲታት ንምትግባር ምስ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ኣብ ልዑል ንሕንሕ ኣትያ ትርከብ።
ኡበር ዝበሃል ትካል ወሃቢ ግልጋሎት መጓዓዝያ፡ ንዋና በዓል ሙያ ቴክኖሎጂ ናሳ ማርክ ሙር ናብቲ ትካል ብምፅንባር፡ ንቐፃሊ ኣብ ድሌት ዝተደረኸ ሕቶ መጓዓዝያ ከተማታት ዝፈትሕ፡ ኢልቬት ኣብ ዝበሃል ፕሮጀክት መዲብዎ ኣሎ።
ፈረንሳዊ ትካል መፍረይ ነፈርቲ ኤርባስ እውን፡ ኣብ መወዳእታ 2017፡ ምስ ኤርባስ ተመሳሳሊ ዝኾት ቫሃና ዝተብሃለት ናይ ሰማይ ታክሲ ብምፍታን፡ ኣብ 2020 ናብ ዕዳጋ ከም ዘቕርብ ተገሊፁ።
ፍሰት ትራፊክ መንገዲ እናተጨናነቐ ብምምፅኡ ድማ፡ እዞም ትካላት ገፆም ነፈርቲ ናብ ምስራሕ እናቐየሩ እዮም።
ከም ኣብነት እንተወሲድና ናይ ዓለምና ዓስረይቲ ሃፍታም ከተማ ሳኦፖሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕለተ ዓርቢ መንገድታት እታ ከተማ ካብ 180 እስካብ 295 ኪሎ ሜትር ይተዓፃፀዉ።
ኤሃንግ ሓደ ተጓዓዚ፣ ቮሎኮፕተር ክልተ፣ሲቲ ኤርባስ ድማ ካብ ኣርባዕተ እስካብ ሽድሽተ ሰባት ዝፅዕና ናይ ሰማይ ታክሲታት ንምስራሕ ኣብ ትልሚ ይርከቡ።
እዘን ታክስታት ብኮረንቲ ክሰርሓ ብምግባር፡ ከባቢ ኣየር ዘይብክላ ንክኾና ድማ እቶም ትካላት እናፀዓሩ እዮም።
እሞ እዘን ታክስታት ብኸመይ ይሰርሓ? ብቐሊሉ ምግዛእ ይከኣል ዶ?
እዛ ሰለስተ ወይ ድማ ኣርባዕተ ሰባት ትሕዝ ናይ ሰማይ ታክሲ 'ኡበር ኤክስ' ምስ ትበሃል መኪና ተመሳሳሊ ዋጋ ከም ዘለዋ ማርክ ሙር ይገልፅ።
ዘለወን ሓይልን ክብደትን ኣብ ግምት ብምእታው እዘን ታክስታት ንክንደይ ግዘ ኣብ ኣየር ይፀንሓ?
ሞባይሎም ባትሪ ክትውድእ ከም ዘይደልዩ ኩሉ፡ ናይ ሰማይ ታክሲ እንተሃለወቶም እውን ባትሪ ክትውድእ ኣይደልዩን።
ቻይናዊት ሰብ ኣልባ ነፋሪት 'ኤሃንግ' ድማ ን23 ደቓይቕ ምጓዓዝ ትኽእል። ይኹን እምበር ከም ሕጊ ኣሜሪካ ምምሕዳር ኣሺየስ፡ ሓንቲ ነፋሪት እንተነኣሰ ንተወሳኺ 20 ደቒቓ ዘፅንሓ ነዳዲ ክትሕዝ ግድን እዩ።
እዚ ማለት ድማ ኤሃንግ ክትጓዓዝ ትኽእል ንሰለሰተ ደቓይቕ ጥራሕ እያ።
ኣብ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኡበር 50 ዝኾና ታክስታት ሰማይ ንምስራሕ ዝተለመ እንትኸውን፡ ባትሪ እዘን ታክስታት ብምምሕያሽ እዚ ፀገም ከም ዝፍታሕ ድማ ሙር ይገልፅ።
ናሳ ዘመሓየሾ ቴክኖሎጂ፡ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ (ድሮናት) ነንባዕለን ክረዳድኣን ምልታም ከይህሉን ዝሕግዝ ከም ዝኾነ እናተገለፀ እዩ።
እዚ ዘፈር ንድሕሪት ዝጎቶ ነገር እንተሃለወ ጉዳይ ሕጊ ጥራሕ እዩ።
ብዘይ ሰብ ብምብራር ባዕለን ክዓርፋ ዝኽእላ ነፈርቲ ንግዲ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ኣብ ጫፍ ዋላ እኳ እንተበፅሑ፡ ሕግታት ኣቬሽን ኣሜሪካን ኣውሮጳን፡ ነፈርቲ ብዘይ ኣብረርቲ ከይጓዓዛ ከም ዝእግድ ፍራንኬል ዮኤል ይዛረቡ።
ስለዝኾነ ድማ እዘን ሰብ ኣልባ ታክሲ ካብ መወፅእቲ ሕጊ እሺታ ንምርካብ ነዊሕ ግዘ ዝወስደለን ይመስል።
ንሕንሕ ሰብ ኣልባ ታክሲ ዱባይ እናመርሐቶ እያ። ከም ኣገላልፃ መራሒኣ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማክቱም፡ ኣብ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዘፈር መጓዓዝያ ህዝቢ እታ ሃገር፡ እቲ 25 ሚእታዊ ብዓርሱ (ብሰብ ኣልባ) ዝንቀሳቐስ ዓይነት መጓዓዝያ ክኸውን እዩ።
ከም ሓበሬታ ኣማኻሪ ኣቬሽን ማርክ ማርቲን ድማ ብንፋስ፣ሓሸዋን ግመን ዝተሸፈነ ከባቢ ኣየር ዱባይ ንሰብ ኣልባ ነፈርቲ (ድሮን) መፀገሚ እዩ።
"ኣጋጣሚ ሓደ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ድሕሪ እዚ መን ድሮን ኣሚኑ ይሳፈር?" ብምባል ይሓትት።