ዱባይ ታክሲ ናይ ሰማይ ክትጅምር እያ

ኩባንያታት መፍረይቲ ነፈርቲ ዓለም፤ ኣብ ስራሕቲ ሰብ ኣልቦ ታክሲ ሰማይ ምንሕናሕ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቑፂሮም ኣለዉ።

ማእኸል ንግዲ ዓለም ከምዝኾነት ዝዝረባላ ዱባይ ፈላመይቲ ኣብ ሰማያታ ታክሲ ሰማይ ኣብ ግልጋሎት ዘውዓለት ዓዲ ንምዃን ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ነዚ ሕልማ ግሁድ ንምግባር ድማ ብበዓል መዚ ፅርግያን መጋዓዝያን ኣቢላ ምስ ኩባናያ ጀርመን ቬሎኮፕተር ውዕሊ ኣሲራ'ላ።

ብመሰረት እቲ ውዕል ድማ 30 ሚልዮን ዶላር ብምኽፋል ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ፈረንጂ ዜጋታታ ብሰማየ ሰማያት ሄሊኮፕተር ኣቢሎም ኣብ ድሌቶም ንክበፅሑ ተስፋ ገይራ ኣላ።

ንምዃኑ ታክሲ ሰማይ ከመይ ዓይነት ቴክኖሎጂ እየን?

እዘን ብትካል ቬሎክፕተር ዝህነፃ ዘለዋ ታክሲ ሰማይ ብሓንሳብ 2 ሰባት ናይ ምስፋር ዓቅሚ ዘለወንን ብዘይ ዘዋሪ ማለት እውን ብኮምፒተር ተሓጊዘን ዓማዊለን ኣብ ዝደልይዎ ከብፅሓ ዝኽእላ ዓይነት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እየን።

ኣብ ሓደ ሰዓት 100 ኪሎ ሜትሮ ናይ ምጉዓዝ ዓቅሚ ከምዘለወን ዝተገለፀ እዘን ታክሲ ሰማይ ኣብ ዱባይ ዘሎ ምጭንናቕ መካይን ብኽፋል ክንኪ'ዩ ተባሂሉ ተተስፊሉ'ሎ።

ዱባይ ካብዚ ብተዋሳኺ ሓደ ሰብ ጥራሕ ዘጎዓዕዛ ታክሲ ሰማይ ሄሊኮፕተር ንምዕዳግ ዘኽእላ ስምምዕ ንምፍፃም'ውን ምስ ሓደ ኩባንያ ቻይና ኣብ ከይዲ ዝርርብ ከምእትርከብ ተሓቢሩ'ሎ።

ቬሎኮፕተር ኩባንያ ጀርመን 2 ሰባት፤ ኩባንያ ቻይና ኢሃንግ 1 ሰብ ከምኡ እውን ኩባንያ ሲቲ ኤርባስ ክሳብ 6 ሰባት ናይ ምስፋር ዓቅሚ ዘለወን ታክሲ ሰማይ ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ኩባንያታት ዓለም ኮይኖም ውፅኢት ስራሕቶም ሙሉእ ብሙሉእ ብኤሌትርክ ከመዝሰርሓ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ ድማ ኣብ ምርግጋፅ ሓምለዋይ ኩነታት ኣየር ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ዋጋ ታክሲ ሰማይ ክንደይ ይኸውን ኢልኩም ዶ ተጨኒቅኩም?

ስራሕ መካየዲ ቴክኖሎጂ መጋዓዝያ መኪና 'ኡበር' ሞረ ዋጋ መጋዓዝያ ታክሲ ሰማይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 4 ሰባት ብሓንሳብ ዝኸፍልዎ ዋጋ ነንሕድሕዶም ኣብ መኪና ኡበር ምስ ዝኸፍልዎ ዋጋ ተመሳሳሊ'ዩ ብምባል ተመጣጣኒ ዋጋ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ታክሲ ሰማይ ነንባዕለን ከይጋጨዋ ኣብ ሕድሕደን ነንርእሰን ከይጋጨዋ ዘኽእል 'ሴንሰር' ከምዝተገጠመለን መፅናዕቲ 'ናሳ' ኣረጋጊፁ'ሎ።