ኣሜሪካ፡ ሓተትቲ ቪዛ ዝርዝር መረዳእታ ማሕበራዊ ሚድያ ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም

ምንጪ ስእሊ, PA
ዳርጋ ኩሎም ሓተትቲ ቪዛ ኣሜሪካ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀሙሉ ስማት፣ ኢ-መይል ኣድራሻን ቁጽርታት ቴሌፎነን ከቕርቡ ብሓድሽ ሕጊ እታ ሃገር ክግደዱ እዮም።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ኩሎም ሓተትቲ ቪዛ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝጥቀሙሎም ኣስማት፣ እንተወሓደ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተጠቐሙሉ ኢ-መይል ኣድራሻን ቁጽሪ ስልክን ከቕርቡ የገድድ።
ሓድሽ መምርሒ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክቐርብ ከሎ፡ ኣብ ዓመት 14.7 ሚልዮን ሰባት ክጽለዉ ከም ዝኽእሉ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ግምት ሂቦም ነይሮም።
ገለ ዲፕሎማሲያውን ብሰበስልጣን ዝቐርብ ወግዓዊ ሕቶ ቪዛን ግን በዚ ሓድሽ ሕጊ ከም ዘይቕየድ ተሓቢሩ'ሎ።
ንትምህርቲ ወይ ንስራሕ ዝኸዱ ሰባት ግን ነቲ ዝርዝር መረዳእታ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም።
"ድሕነት ዜጋታትና ንምውሓስ ዘኽእሉ ኣማራጽታት ምጽራይ ንምርካብ ብቐጻሊ ንሰርሕ ኣለና" ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ።
ናብ ኣሜሪካ ንዝግበር ሕጋዊ ጉዕዞ ከም ዝተሓባበር'ውን ኣዘኻኺሩ።
እዚ ሕጊ፡ ቅድም ክብል ካብተን ኣሸበርቲ ጉጅለታት ብስፍሓት ዝርከቡለን ሃገራት ቪዛ ንዝሓቱ ሰባት ጥራሕ ዝሕተት ዝነበረ ረቛሒ እዩ።
ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ኩሎም ሓተትቲ ቪዛ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝጥቀሙሉ ኣስማት ካልኦት ዝርዝር መረዳእታን ከቕርቡ ይሕተቱ።
ነቲ መረዳእታ ኣብ ምቕራብ ዝሓሰወ ወይ ግጉይ መረዳእታ ዘቕረበ፡ ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን ጉዳይ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዝጽበዮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







