ኣመሪካ፡ ንመሰል ዑቕባ ዝእግድ ፓሊሲ ዶናልድ ትራምፕ ቤት ፍርዲ ከይትግበር ኣዚዙ

ናብ ዶብ መክሲኮ ዝተላእኩ ወታሃደራት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ክጉስጉስ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ ወታሃደራት ናብ ደቡባዊ ዶባት እታ ሃገር ክዋፈሩ ኣዚዙ'ዩ

ዳኛ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ እቲ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተኣወጀ ነቶም ብደቡባዊ ዶባት እታ ሃገር ብዘይ ሕጊ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዑቕባ ከይሓቱ ዝእግድ ፓሊሲ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኣዚዙ።

እቲ ብዳኛ ናይቲ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ (ዲስትሪክት ኮርት) ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት ብዘቕረብዎ ምጉት መሰረት ዝተዋህበ'ዩ።

እቲ ፓሊሲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዘውጽኦ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ ዝተበገሰ ቃፍላይ ስደተኛታት ናብ ዶብ ኣመሪካ ኣብ ዘምራሓሉ እዋን ዝወጸ'ዩ።

ንሱ፡ እቲ ፓሊሲ ንሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ እኳ እንተበለ፡ ተጣበቕቲ ግን ክሳብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ተቓዊሞሞ እዮም።

ኣብ ከተማ ቲጅዋና ዝበጽሑ ኣባላት ቃፍላይ ስደተኛታት ንመግቢ ተሰሪዖም እንከለዉ 19 ሕዳር 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶባዊት ከተማ ቲጅዋና ዝበጽሑ ኣባላት ቃፍላይ ስደተኛታት ንመግቢ ተሰሪዖም እንከለዉ

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ ዝተበገሱ ስደተኛታት ንሰሙናት ናብ ዶብ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ክጓዓዙ ቀንዮም ነይሮም። ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ስደተኛታት "ዓቢ ናይ ሰብ ቃፍላይ" ብምባል ገሊጽዎም'ዩ።

እቶም ስደተኛታት፡ ኣብተን ከም በዓል ሆድንዱራስ፡ ጓተማላን ኤል-ሳልቫዶርን ዝበላ ሃገራት ዘሎ፡ ምስጓግ፡ ድኽነትን፡ ጎንጽን ንምህዳም ከም ዝወጹ ይዛረቡ።

ቅድሚ'ቲ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ገበነኛታት ምዃኖምን፡ እቲ ቃፍላይ ንሃገሩ ንምውራር ዝመጽእ ከም ዝነበረ ኣምሲሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ነቲ ቃፍላይ ንምዕጋት ድማ ወታሃደራት ናብ ደቡባዊ ዶባት እታ ሃገር ክዋፈሩ ኣዚዙ።

ብዘይካዚ ምምጻእ ናይቲ ቃፍላይ ፓለቲካዊ ዕላማ ከም ዘለዎ'ውን ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምርጫ ጎስጓሳት ብተደጋጋሚ ገሊጹ'ዩ።

ኣፈኛ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝኾነት ካቲ ዎልድማንን ኣፈኛ ክፍሊ ፍትሒ ስቲቨን ስታፈርድን እቲ ናይ ዑቕባ ስርዓት "ሰባር" ብምባል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ገሊጾም። ክልቲኡ ክፍልታት ነቲ ፓሊሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ዝሰርሑ'ውን ኣፍሊጦም።

እቲ ናይ ዑቕባ ስርዓት "ዓመት ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ [ዑቕባ] ዘይግብኦም ዝጥቀምሉ ኮይኑ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ቅቡልን ዝተሓስበሉን'ዩ" ብምባል ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

"ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ዘይግበኦም ናይ መንግስቲ ሓገዝ ምእንቲ ክረኽቡ ገለ ተጣበቕቲ ጉጅለታት ንብምሉኡ ፈደራላዊ መንግስቲ ከኸሱ ክትርኢ ዘደንጹ'ዩ"።

ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝተኣኻኸቡ ኣባላት እቲ ቃፍላይ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝተኣኻኸቡ ኣባላት እቲ ቃፍላይ ስደተኛታት

ዳኛ ጆን ቲጋር ኣብ ዝሃቦ ብይን ግን፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ዝኾነ ኣብታ ሃገር ዝኣተወ ወጻእተኛ "ዝኣተወሉ ብወግዓዊ ኣፍደገ ይኹን ኣይኹን" ዑቕባ ክሓትት መሰል ኣለዎ ኢሉ።

"እቲ ፕረዚደንት ዘለዎ ስልጣን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንሕጊ ኢሚግረሽን ከም ብሓድሽ ጺሒፉ፡ ባይቶ ብግልጺ ዝኸልከሎ ኩነታት ከተኣታቱ ኣይክእልን'ዩ" ይብል ዳኛ ቲጋር።

እቲ ጉዳይ ብኣመሪካን ሲቪል ሊበርቲስ ዩንዮን ((ACLU)፡ ሳውዘርን ፓቨርቲ ለው ሰንተርን ሰንተር ፎር ኮንስትቲሽናል ራይትስን ዝተባህሉ ተጠበቕቲ ጉጅለታት ናብ ቤት ፍርዲ ተወሲዱ።

እቲ ውሳነ ብህጹጽ ዝትግበር ጊዝያዊ መግትኢ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ታሕሳስ ፍርዲ ብይን ከም ዝወሃቦ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ብ9 ሕዳር ዝወጸ ኣዋጅ፡ ዝኾነ ብወግዓዊ ናይ ዶብ ኣፍደገ ዘይኣተወ ስደተኛ ዑቕባ ክሓትት ኣይፍቀደሉን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ምስ መክሲኮ ስምምዕ ዝግበረሉ ን90 መዓልታት ዝጸንሕ'ዩ።

ዛጊት ኣስታት 3000 ኣባላት ናይቲ ቃፍላይ ኣብ ዶብ ኣመሪካ ተጸጊዖም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዛጊት ኣስታት 3000 ኣባላት ናይቲ ቃፍላይ ኣብ ዶብ ኣመሪካ ተጸጊዖም ኣለዉ

ብመሰረት ናይ ኢሚግረሽን ሕጊ ኣመሪካ ግን፡ ካብ ሃገሮም ብሰንኪ ጎንጺ ከም ዝወጹ እንተድኣ ገሊጾም፡ ጉዳዮም ክረአ ሕጋዊ ግዴታ ኣሎ።

ዛጊት ኣስታት 3000 ኣባላት ናይቲ ቃፍላይ ኣብ ዶብ ኣመሪካ ተጸጊዖም ከም ዘለዉን፡ እቲ ቁጽሪ ክሳብ 10 000 ክብ ክብል ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ንምርካብ ቀሊል ከም ዘይኮነን፡ ኣመልከትቲ ኣብ ሃገሮም ከይነብሩ ፍርሒ ከም ዘለዎምን፡ ጎንጽን ስቅያትን ከም ዝበጽሖም ብዝግባእ ከመስክሩ ኣለዎም።

ካብ 2016 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 79 710 ኣመልከትቲ እቶም 69 566 ጥራይ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግረሽንን እታ ሃገር የረድእ።