ኮኾብ ተዋስኣይ ሆሊውድ ኣርኖልድ ሽዋርዝኒገር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጥቃዕቲ በጺሕዎ

ኣሜሪካዊ ተዋስኣይን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርንያ ነበርን ኣርኖልድ ሽዋርዝኒገር (ማእኽል) ኣብ መድረኽ 'ኣርኖልድ ክልሲክ ኣፍሪቃ ኢቨንት'

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣርኖልድ ሽዋርዝኒገር፡ ኣድነቕቱ ቀልቦም ናብቲ ዝካየድ ምርኢት ኣትሌቲክስ ክኸውን ሓቢሩ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኮኸብ ሆሊውድ ኣርኖልድ ሽዋርዝኒገር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ስፖርታዊ ንጥፈታት መጥቃዕቲ ክፍጸሞ የርእይ።

እቲ ወዲ 71 ዓመት ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርንያ ነበር፡ ምስ ኣድነቕቱ ይዘራረብ ኣብ ዝነበረሉ መድረኽ ውድድራት ስፖርት 'ኣርኖልድ ክላሲክ ኣፍሪቃ ኢቨንት' ሓደ መንእሰይ ዘሊሉ ኣብ ሕቑኡ ወቒዕዎ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ-ሰብ ሽዑ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ከሎ እቲ ቪድዮ የርእይ።

ንተገዳስነት ኣድነቕቱ ብትዊተር ኣቢሉ ምስጋና ዘቕረበ ኣርኖልድ ሽዋርዝኒገር "ዋላ ሓደ ዘጨንቕ ነገር የለን" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብስፍሓት ይዝርጋሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ሽዋርዝኒገር ምስ ኣድነቕቱ ስእልን ቪድዮን ይሰኣል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዘሊሉ ክልተ እግሩ ኣብ ሕቑኡ ከዕርፎ የርእይ።

ኮኸብ ፊልም 'ተርሚኔተር' ሽዋርዝኒገር፡ ሕቑኡ ምስተወቐዐ ንቕሚት ተንከርከር ክብል ከሎ፡ እቲ ጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ድማ ናብ መሬት ወዲቑ። ሽዑ ድማ ብኣባላት ሓለዋ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ነቲ መድረኽ ዘተሓባብሩ ኣካላት ከም ዝገለጽዎ እቲ ውልቀሰብ ብፖሊስ ተወሲዱ'ሎ።

ሽዋርዝኒገር ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ዝለውዎ ትዊተሩ "ብቲ እኩብ ሰብ ዝተደፋእኹ መሲሉኒ ነይሩ። ደሓር ግን ልክዕ ከማኹም ነቲ ቪድዮ ምስ ረኣኹ፡ ከም ዝተወቓዕኩ ክግንዘብ ኪኢለ" ክብል ጽሒፉ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space

ኣድነቕቱ ኣብ ክንዲ ናብቲ መጥቃዕቲ ናብቲ ይካየድ ዘሎ ስፖርታዊ መድረኽ ከድህቡ ጸዊዑ።

'ኣርኖልድ ክላሲክ ኣፍሪቃ ኢቨንት' በብዓመቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መድረኽ ስፖርታዊ ንጥፈታት'ዩ። ኣካልካ ንምጥንካርን ነብስኻ ንምክልኻልን ካብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብተወሳኺ ካልኦት ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ ስፖርታዊ ንጥፈታት ይካየደሉ።