ጓላ ናብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ንኽትኣቱ ጉቦ ዝኸፈለት ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት

ፌሊሲቲ ሃፍማን፡ ካብ ቤት ፍርዲ ወፂኣ እናኸደት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፌሊሲቲ ሃፍማን፡ ብዝፈፀመቶ ተግባር ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ከም ዝኣተወት ትዛረብ

ፍልጥቲ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ፌሊሲቲ ሃፍማን፡ ጓላ ናብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ንኽትኣቱ ጉቦ ብምኽፋላ ንዝቐርበላ ክስታት ከም እትቕበል ኣፍሊጣ።

'ዘ ደስፐሬት ሃውስዋይቭስ' ኣብ ዝብል ተኸታታሊ ፊልም ብምውሳእ እትፍልጥ ፌሊሲቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጓላ ክሕደት ከም ዝፈፀመትን በቲ ኣብ ጓላ ዝፈጠረቶ ቓንዛ ድማ ኣዝያ ከም ዝሓፈረትን ተዛሪባ።

ሃፍማን፡ ኣብ 2017 ውፅኢት ፈተና ጓላ ንኽስተኻኸል፡ 15 ሽሕ ዶላር ብምኽፋላ'ያ ተኸሲሳ ዘላ።

ብዘይካ'ዛ ጓል 56 ዓመት ተዋሳኢት፡ ካልኦት 50 ሰባት'ውን ዝተኸሰሱ ኮይኖም፡ ጥፍኣቶም ዝኣመኑ ግን 14 ሰባት'ዮም።

ንሳ ኣብ ዘስምዓቶ መግለፂ "ኩሉ ጥፍኣተይ ኣሚነ ኣሎኹ። ብዝፈፀምክዎ ተግባር ሕፍረት እናተሰምዓኒ ብጣዕሳ ምሉእ ሓላፍነት እወስድ። ንዝመፅእ ሳዕቤናት ኩሉ ክቕበል'የ" ኢላ።

ጓላ ብዛዕባ'ቲ ዝፈፀመቶ ተግባር ከም ዘይትፈልጥ ብምግላፅ፡ ኣብ ልዕሊኣ ክህደት ከም ዝፈፀመት ተዛሪባ።

ንጓላ፣ ቤተሰባ፣ መሓዙታን መሳርሕታን ይቕሬታ ብምሕታት "ብፍላይ ናብ ኮሌጅ ንምእታው ለይትን መዓልትን ንዝፅዕሩ ተመሃሮ ከምኡ'ውን ንደቆም ኣብ ትምህርቲ መስዋእትነት ንዝኸፍሉ ወለዲ ልባዊ ይቕሬታ እሓትት" ክትብል ተዛሪባ።

ትካል ምርመራ ገበናት ኣሜሪካ - ኤፍ ቢ ኣይ "ኦፐሬሽን ቫርስቲ ብሉስ" ክብል ብዝሰመዮ ወፍሪ፡ ካብ 2011 - 2018 ኣብ ስርዓት ምዝገባ ተመሃሮ ዩኒቨርሲትታት ኣሜሪካ ዝተፈፀሙ ምድንጋራት መርሚሩ'ዩ።

ውፅኢት ምርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ዩኒቨርሲቲ ንኽኣትዉ ክፍሊት ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፡ ደቆም ኣባላት ናይተን ኣብ ዩኒቨርስቲታት ዝርከባ ጋንታታት ስፖርት ከም ዝኾኑ ዘርእይ ናይ ሓሶት (ስኑዕ) ስእልታት ተሰሪሖም'ዮም።

ተዋሳእቲ ሆሊውድ ፌሊሲቲ ሃፍማንን ሎሪ ሎግሊን ካብ ሞንጎ ኣብዚ ተግባር ዝተረኸቡ ፍሉጣት ሰባት ኮይነን ኣለዋ።

ሎሪ ሎግሊን በዓል ቤታን፡ ክልተ ደቆም ናብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ካሊፎርንያ ንምእታው፡ 500 ሺሕ ዶላር ከም ዝኸፈሉ ይግለፅ።

ንሳን በዓል ቤታን ግን ነቲ ተግባር ከም ዝፈፀሙ ኣይኣመኑን ኣለዉ።